ማሕበር ልምዓት ትግራይ ሰለጤንን ፅፈትን ከይዲ ሓደ ዳያስፖራ ንሓደ ስድራ ብምምሕያሽ ከምትሰርሕ ኣፍሊጣ።

ብፕሮጀክት ሓደ ዲያስፖራ ንሓደ ቤተሰብ ብመንግስታዊ ዕፅዋ ንሕሱም ጥሜት ዝተቓለዐ ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ልዕሊ 160 ሚልዮን ቅርሺ ዝሃበት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ሰለጤንን ፅፈትን እቲ ከይዲ ብምምሕያሽ ከምትቕፅለሉ ሓቢራ።

ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገብረእግዚኣብሄር ህይወት ተጋሩ ንምውሓስ በቲ ትካል ካብ ዝዕመሙ ተግባራት ሓደ ብዝኾነ ፕሮጀክት ሓደ ዲያስፖራ ንሓደ ቤተሰብ 5282 ዲያስፖራ ገንዘብ ምልኣኾም ገሊፁ።

ኣብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ዝተጀመረ እዚ ፕሮጀክት ናብ ካናዳን እንግሊዝን እውን ብምስፋሕ ክስራሕ ምፅንሑ ዝሓበረ ኣይተ ተስፋይ ኣብ ከይዲ ዘጋጠሙ ክፍተታት ንምፅፋፍን ብዝተመሓየሸ መልክዑ ንምቕፃልን ንግዚኡ ጠጠው ከምዝበለ ተዛሪቡ።

ክሳብ ሐዚ ዝተልኣኸሎም 4224 ስድራ ልዕሊ 160 ሚልዮን ቅርሺ ከምዝወሰዱ ዝሓበረ እቲ ፈፃሚ ዳይሬክተር እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን መረዳእታ ለኣኽን ተቐባልን ከይተማለአ ብቼክን ካውንተር ዲፖዚትን ዝተልኣኸ ገንዘብ ብምፅፋፍ ንተጠቀምቲ ክበፅሕ ለኣኽቲ ትኽክለኛ መረዳእታ ብምምላእ ክተሓባበሩ ሓቲቱ።

ክሳብ ሐዚ ንተመዛበልቲ፣ ኣብ ሆስፒታላት፣ መሐብሐቢ ማእኸላትን ውልቀ ቤተሰብን ንከቢድ ሓደጋ ንዝተቓልዑ ወገናት ገንዘብ ክበፅሖም ከምዝተገበረ ዝጠቐሰ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገብረእግዚኣብሄር “ዕላማና ህይወት ዝተፀገሙ ወገናትና ምውሓስ ብምዃኑ ነዚ ዕላማ ጥራሕ ብዝኸውን መልክዑ ኣሰራርሓ ንምዝርጋሕ” ይሰርሑ ምህላዎም ኣብሪሁ።

እቲ ኣሰራርሓ ክመሓየሽ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝቐርቡ ጠቐምቲ ኣማራፂ ሓሳባት እናተፈተሹ ኣብ ረብሓ የውዕሉ ከምዘለው ብምሕባር “ክንገብሮም ዝግበአና ምትዕርራያት ወጊንና” ኣብ ሓፂር እዋን ዳግም ከምዝቕፅል ተዛሪቡ።

እቲ ምምሕያሽ ፅፈት እቲ ግልጋሎት ብምምሕያሽ መጠን ዝተልኣኸ ገንዘብ ናብ ተጠቃሚ ዝበፅሐሉ ሰለጤን ናብ ኣርባዕተ መዓልቲ ንምውራድ ይስረሐሉ ምህላው እውን ኣይተ ተስፋይ ሓቢሩ።