ሰራዊት ኤርትራ፣ ሓይልታት ኣምሓራን መላፍንቶምን ብዘይቅድመ ኩነት ካብ መሬት ትግራይ ክወፁ ከምዝግባእ ፕረዚዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፁ።

ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ብመስመር ስልኪ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት ከምዝበሎ ሰራዊት ኢትዮጲያን ተሓባበርቶምን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ; ህዝቢ ከምህዝቢ ሙሉእ ብሙሉእ ንምጥፋእ ዝኣወጅዎ ጀኖሳይድ በቲ ዝሓሰብዎ መንገዲ ከይፍፀም ምክልኻል ተኻኢሉ እዩ ክብል ገሊፁ።

ሰራዊት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ናብ ትግራይ ዝተመለሰሉ ምኽንያት ብዶ/ር ደብረፅዮን ምላሽ እንትወሃብ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ሱር ዝሰደደ ኲናት ብሰላማዊ መንገዲ ንክፍታሕ ብዘቕረቦ ፃውዒት ሰላም መሰረት ንሰላም ዕድል ንምሃብ እዩ ብምባል ከምቲ ብመራሕቲ ኢትዮጲያ ዝንዛሕ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ብሰራዊት ኣብይ ኣሕመድን መላፍንቱን ተደፊኡ ከምዘይኮነ ኣረጋጊፁ።

ስለዝኾነ እዉን ሰራዊት ትግራይ ምስ ሙሉእ ዓቕሙን ብቕዓቱን ከምዝርከብን ተሳዒሩ እዩ ወፂኡ ዝብል ዘረባ ፀላእቲ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምዃኑን እውን ኣብቲ ቃለ መሕተት ወሲኹ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብትእዛዝ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ትግራይ ዝተዘርገሐ ሰብ ሰራሕ ዕፅዋን ክባን መሰረት ህዝቢ ብሰንኪ ብስእነት መድሓኒት፣ ስእነት ምግብን ካልኦት መሰረታዊ ህዝባዊ ግልጋሎታትን ኣብ ከቢድ ፀገም ጥሒሉ ከምዝርከብን ከምሳዕቤኑ ድማ መዓልታዊ ሰብ ይመዉት ምህላዉን ብምግላፅ እዚ ዓፀቦ እዚ ህፁፅ መፍትሒ ክግበረሉ ክብል ዶ/ር ደብረፅዮን ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቕፅል ዘሎ ኲናት ብሰላም ክፍታሕ እንተኾይኑ ድማ መሬት ትግራይ ወሪሮም ሒዞም ዘለው ሰራዊት ኤርትራ ; ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ፣ ካልኦት ተሓባበርቲ ሓይልታት ወፃኢን መላፍንቶምን ብዘይቅድመ ኩነት ካብ መሬት ትግራይ ለቒቖም ክወፁ ከምዝግባእ እዩ ፕረዚዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ምስ ቢቢሲ ኣብዝነበሮ ፃንሒት ዝሓበረ።

እንተዘይኮይኑ ግን ይብል ዶ/ር ደብረፅዮን እቶም ፀላእቲ ሓይልታት እንተዘይወፂኦም ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ብቕልፅም ህዝቢ ትግራይ ከምዝረጋገፅ ክፍለጥ ይግባእ ኢሉ።

ብጋዜጠኛ ቢቢሲ ዝቐፀለ ሕቶ ንፕሬዝደንት ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ; ሰራዊት ትግራይ ኣብዚ ቐረባ እዋን ናብ ክልል ዓፋር ዝኣተወ ንምንታይ እዩ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ እንትኾን ከም ምላሽ ድማ ፍሉይ ሓይሊ ኣወል ኣርባን ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ናብ ትግራይ ጢሒሶም ስለዝኣተውን መጥቃዕቲ ስለዝኸፈቱን ሰራዊት ትግራይ ድማ ነቲ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ዝወሰዶ ስጉምቲ እምበር መሬት ዓፋር ናይ ምውራር ድሌትን ዕላማን ከምዘይብሉ የረጋግፅ ክብል ገሊፁ።