ብመንግስታዊ ዕፅዋን ክባን ምዝባዕ ስርዓት ጥዕና ብምግጣሙ ግልጋሎት ከቋርፅ ከምዝተገደደ ሪፈራል ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዘካይዶ ዘሎ ትሉም ዕፅዋን ክባን ምዝባዕ ስርዓት ጥዕና ምግጣሙ ስዒቡ ግልጋሎት ከቋርፅ ከምዝተገደደ ሰብሞያን ኣመራርሓን ሪፈራል ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ተዛሪቦም።

በዓል ሞያ ጠቕላላ ሕክምና እቲ ሆስፒታል ዶ/ር ግርማይ በርሀ “መሳርሒ ሕክምና ስለዘይብልና ግልጋሎት ምርመራ ክንህብ ኣይከኣልናን” ኢሉ።

ተሓከምቲ ዝተኣዘለሎም መድሓኒት ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም ንሞትን ተወሳኺ ሕማምን ይቃልዑ ከምዘለው ዝጠቐሰ ዶ/ር ግርማይ “ተመሊሱ እዛ መድሓኒት የላን ይብለና እንታይ እሞ ክንገብሮ ንሕና ከይተሓከመ ይምለስ” ምህላው ተዛሪቡ።

ሲስተር ብርኽቲ ገብረሂወት ብወገና ግልጋሎት እቲ ሆስፒታል እናንቆልቆለ “ሐዚ ጠጠው ናብ ዝብለሉ ከቢድ ፈተና” ብምብፅሑ ኣብ ጥዕና ሕብረተሰብ ዝበፅሕ ዘሎ ሓደጋ ከምዘሻቐላ ገሊፃ።

ሲስተር ሸዊት ነጋ እውን “ናብዚ ንመፅእ ዘለና ጋቦን ተኸዲንና ንተሓከምትና ተስፋ እንተኾንናዮም ኢልና ኢና እምበር ብሙሉእ ዓቕሚ ክንህባ ንኽእል እዚኣ ትበሃል ሕክምና የብልና” ብምባል ተዛሪባ።

ዋና ክሊኒካል ዳይሬክተር ዶ/ር ገብረሂወት ተክለሃይማኖት “በቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ወራርን ብዝቕፅል ዘሎ ዕፅዋን ከበባን ምኽንያት ኣብዚ ሐዚ ግዜ ሆስፒታልና መሰረታዊ ግልጋሎታት ሕክምና ኣብዘይህበሉ ብርኪ እዩ በፂሑ ዘሎ” ክብል ሓቢሩ።

እቲ ሆስፒታል ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ መድሓኒት ይኹን መሳርሒ ሕክምና ክረክብ ብዘይምኽኣሉ “ክነድሕኖም እናኸኣልና ሰኣን መድሓኒትን ናውትን ሕሙማትና ኣብ ቅድሚ ዓይንና እናሞቱ ንርኢ ኣለና” ክብል ተዛሪቡ።

ካብዚ ብተወሳኺ ብኦክስጅን ተሓጊዞም ዝወሃቡ ዝነበሩ ግልጋሎታት ሕክምና “ኦክስጅን ስለዘየለ” ከምዝተቛረፁ ዝገለፀ ዶ/ር ገብረሂወት “ናብ ዓይደር ሪፈር ንብሎም ሕሙማት እውን ብስእነት ነዳዲ ክነብፅሖም ስለዘይከኣልና ንሞት ይቃልዑ” ከምዘለው ሓቢሩ።

ዶ/ር ገብረሂወት ተክለሃይማኖት “ሰብኣዊነትን ሰብኣዊ ሓላፍነትን ዝስመዖ ኣካል” ክልከላ ግልጋሎት ሕክምና ከምመሳርሒ ኲናት ንዝጥቀሙ ኣካላት ተግባራዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ህይወት እቶም ካብ ሞት ዝተረፉ ሰላማውያን ሰባት ንምውሓስ ብዕቱብ ክሰርሕ ንማሕበረሰብ ዓለም ፀዊዑ።