ህዝቢ ዓፋር ብመስዋእትነቱ ዘረጋገፆ ዓርሰ-ምሕደራ ብምጭዋዩ ምስ ሰራዊት ትግራይ ተዋዲዱ ህልውንኡ ከውሕስ ሓይልታት ፌደራሊስት ዓፋር ፀዊዑ።

ህዝቢ ዓፋር ብመስዋእትነቱ ዘረጋገፆ ዓርሰ-ምሕደራ ብምልካዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምጭዋዩ ምስ ሰራዊት ትግራይ ተዋዲዱ ህልውንኡ ከውሕስ ሓይልታት ፌደራሊስት ዓፋር ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ፀዊዑ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኲናት ሕድሕድ ከምመሳርሒ ስልጣን ዝጥቀም ዘሎ ስርዓት ኣብዪ ኣሕመድ ህዝቢ ንከቢድ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላው ከምዘቃለዐ ገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ምስ ደጋዊ ሓይልታት ብምውዳድ መሬት ዓፋር ማእኸል ዓውደ-ኲናት ህዝቢ ዓፋር ድማ ተዋሳኢ እቲ ኲናት ክኸውን ከምዘገደድዎ ዝጠቐሰ እቲ መግለፂ ሐዚ እውን ህዝቢን መሬትን ዓፋር ዓውደ-ኲናት ብምግባር ይቕፅሉ ምህላዎም ሓቢሩ።

ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዓፋር ጣልቃ ብምእታው ህዝቢ ዓፋር መፈፀሚ እኩይ ዕላምኡ ንምግባር ነቲ ህዝቢ ብዓሌት ብምክፍፋል ኣንፃር እቲ ህልውንኡ ከውሕስ ዝቃለስ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ክለዓል ብዕራይ ወለዶ ሓሶት ብምንዛሕ ይቕስቅስ ምህላው ገሊፁ።

ንዘመናት ዝዘለቐ ታሪኻውን ሕውነታውን ርክብ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ዓፋርን ንምኹላፍ ዝግበር ዘሎ ሃቕነታት ህዝቢ ዓፋር ምስ ሓው ህዝቢ ትግራይ ብምውጋን ዓርሰ-ውሳንኡ ንምውሓስ ኣንፃር ወረርቲ ምስ ሰራዊት ትግራይ ብስምረት ክቃለስ ፀዊዑ።

ሰራዊት ትግራይ ብዕፅዋን ክባን ኣብ ቅልውላው ዝርከብ ህዝቡ ንምውሓስ ኣንፃር ወራሪ ሓይሊ ኤርትራን ምልካዊ ስርዓት ኣብዪን ዘካይዶ ቃልሲ እምበር መሬት ዓፋር ናይ ምውራር ባህጊ ከምዘይብሉ ኣብሪሁ።

መፈፀሚ ትልሚ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝኾኑ ንህዝቢ ዓፋር ዘይውክሉ ውስናት ዕሱባት መንእሰይ ዓፋር ናብ ኲናት ብምስዋር ብተለኣኣኽነቶም ስልጣኖም ንምቕፃል ዝገብርዎ ዘለው ፈተነታት ኣንፃር ረብሓ ህዝቢ ዓፋር ከምዝኾነ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

ሰራዊት ትግራይን ሓይልታት ፌደራሊስት ዓፋርን ኣብ ዝተቖፃፀሮም ከባብታት ዝነብር ህዝቢ ዓፋር ተረጋጊዑ ኣብ ገዝኡ ክፀንሕን ኣንፃር ሕብረ-ብሄራዊ ፌደራሊዝምን ረብሓ ህዝቢ ዓፋርን ንዝተልዓለ ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳያስን ኣብዪ ኣሕመድን ኩሉመዳይ ቃልሲ ከካይድ ፀዊዑ።