ኣሜርካ ብኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኢትዮጲያ ዝተኣሰሩ ተጋሩ ክፍትሑ ጸዊዓ።

ቤት ምክሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጲያ ካብ ጥቅምቲ 24 2014 ጀሚሩ ኣብ መላእ ኢትዮጲያ ኣንቢርዎ ዝነበረ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ትማሊ ምልዓሉ ስዒቡ ኣሜርካ በእቲ ኣዋጅ ተኣሲሮም ዝነበሩ ክፍትሑ ጻዊዓ።

ጉዳያት ወጻኢ ኣሜርካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ ኣዋጅ ምልዓሉ ከም ጽቡቅ ስጉምቲ ጌሩ ከምዝወስዶ ዘፍለጠ እንትኸውን እዚ ስጉምቲ በእቲ ኣዋጅ ዝተኣሰሩ ወገናት ክፍትሑ ብምግባር ክቅጽል ከምዝግባእ ኣፍሊጡ።

እቲ ካብ ጥቅምቲ 24 ንነዘ ዝነበረ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ምልዓሉ ንኩሉ ዘሳትፍ ሃገራዊ ምክክርን ንምስላጥ ከምዘሕግዝ ዘብርሀ እቲ መግለጺ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜርካ፤ ኣሜርካ እቲ ኲናት ጠጠው ክብል፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይተዓናቀፍን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ግልጺ ዝኮነ ምርመራ ክካየድ ምስ ኩሎም ወገናት ዝርርብ ከምእተካይድ ኣፍሊጣ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ብሽም ኣዋጅ ህጽጹ እዋን ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ነበርቲ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጲያ እናሓፈሰ ዝዳጎነ እንትኸውን እኩል ኣቅርቦት ምግቢን ማይን ኣብዘይረክብሉ ብኣዝዩ መስካክሒ ኣተሓሕዛ ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት ማእሰርቲታ የሳቅዮም ይርኸብ።

እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ትማሊ ኣብ ቤት ምክሪ ተወከልቲ ህዝቢ ቀሪቢ ብ63 ተቃውሞን 21 ድምጺ ተኣቅቦ ክልዓል ዝተገበረ እንትኸውን ክሳብ ሐዚ ግን በእቲ ኣዋጅ ስም ዝተኣሰሩ  ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሳቐዩ ከምዘለው ተፈሊጡ።