ሰራዊት ትግራይ ብቐፃልነት ህላወ ህዝቢ ትግራይ ዘውሕስን ብቕዓቱ ዘመስከረን ከምዝኾነ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ገሊፆም።

መበል 47 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ካልኣይ ወያነ ትግራይ በዓል 11 ለካቲት ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ (ወዲ ወረደ)፡ ካልኦት ላዕለወት ኣመመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዝተረኸበሉ ብዝለዓለ ፅንብል ከምዝተከበረ ቴሌቪዥን ትግራይ ፀብፂቡ፡፡

ንመላእ ህዝቢ ትግራይ እንኳዕ ኣብጸሀካ ዝበለ ኣብቲ ጽንብል ዝተረኸበ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ዮውሃንስ ወ/ጊዮርጊስ (መዲድ)ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዓሚቕ ወርቃዊ ታሪኽ ዘለዎም ህዝብታት ሓደ ከም ዝኾነን ነዚ ታሪኽን ቅርስን ህዝቢ ንምጉባጥ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ጥፍኣት ኣብ ዝኾነ እዋን ከምዘይሰምረሎም ገሊፁ፡፡

መበል 47 ዓመት በዓል 11 ለካቲት እንትነኽብር ደመኛታት ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምቅባፅ ዝለዓለ ምድላው ዝውገነሉ ከምዝኸውን ዝገለፀ ተጋዳላይ ዮውሃንስ ወ/ጊዮርጊስ ፣ ሰራዊት ትግራይ ብቐፃልነት ህላወ ህዝቢ ትግራይ ዘውሕስ፣ ብቕዓቱ ዘመስከረን ምእዙዝን ከምዝኸውን ወሲኹ ገሊፁ ክብል ኤመሓት ጸብጺቡ፡፡

ወርሒ ለካቲት ህዝቢ ትግራይ ወርቃዊ ታሪኽ ዘመዝግበላ ወርሒ ከም ዝኾነትን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብዛ ወርሒ ብወፍሪ ስዩም ዝተመዝገቡ ዓበይቲ ዓወታት ዝተሓፈሰላ፣ ውድቀት ፀላእቲ ዝተመላኸተሉን ሰራዊት ትግራይ ወኒንዎ ንዘሎ ኩለመዳይ ዓቕሚ ኣንፈት ዘትሐዘት ከም ዝነበረት ዝተዛረበ ተጋዳላይ ዮውሃንስ ወ/ጊዮርጊስ ናይ ሎሚ ለካቲት ድማ ህዝባዊ ሰራዊት ዘመዝገቦምን የመዝግቦም ዘሎን መስተንክራዊ ዓወታት ብምዕቃብ ወሲኹ ገሊፁ፡፡