ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመን ዝፍፀም ዘሎን ዓለምለኻዊ ገበናት ብምፅናዕን ብምምርማርን ፍትሒን ተሓታትነትን ክረጋገፅ ይሰርሕ ምህላው ኮምሽን መፅናዕቲ ምፅናት ህዝቢ ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመን ዝፍፀም ዘሎን ዓለምለኻዊ ገበናት ብምድህሳስን ብምምርማርን ፍትሒን ተሓታትነትን ክረጋገፅ ይሰርሕ ምህላው ኮምሽነር ኮምሽን መፅናዕቲ ምፅናት ህዝቢ ትግራይ ሓጋዚ ፕሮፌሰር የማነ ዘርኣይ ምስ ኣክሱማይት ሚድያ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕተት ተዛሪቡ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ገበን ኲናት፣ ገበን ኣንፃር ሰብኣውነትን ገበን ወራርን ከምዝተፈፀመ ንውድብ ሕቡራት መንግስታት ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ትካላት ክግለፅ እኳ እንተፀነሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘካየዶ ዕፅዋን ክልከላን ኣብ ትግራይ ኩለመዳይ መፅናዕቲን ምርመራን ክካየድ ኣይተኽኣለን።

ካብ ተሞክሮ ካልኦት ከባብታት ዝፈልዮ ኣብ ትግራይ ኩሎም ዓይነታት ዓለምለኻዊ ገበናት ተፈፂሞም እዮም ዘብሉ ተግባራት ከምዝተርኣዩ ዝሓበረ እቲ ኮምሽነር እዞም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት ብምድህሳስ ብጭቡጥ መርትዖ ብምድጋፍ ተሓታትነት ንምርግጋፅ ከምዝስራሕ ገሊፁ።

ቀንዲ ዕላማ እቲ ኮምሽን እቶም ዝተፈፀሙ ገበናት ዝተፈፀሙሎም ኣገባባት፣ ተግባራትን መን ፈፂምዎምን ዝብል ምፅናዕ ከምኡ እውን ምርመራታት ብምክያድ እቲ ተግባርን ዘኸተሎ ዕንወትን ብምፍታሽ ተሓታትነት ክረጋገፅ ምስራሕ ከምዝኾነ ሓጋዚ ፕሮፌሰር የማነ ዘርኣይ ሓቢሩ።

“ኣብ ህዝቢ ትግራይ ብናይ መጀመርያ ደረጃ ዝተርኣዩ ነገራት ብምድራኽ ጀኖሳይድ ተፈፂሙና እዩ ዝብል እምነት” ከምዘሎ ዝጠቐሰ ኮምሽነር ኮምሽን መፅናዕቲ ምፅናት ህዝቢ ትግራይ ሓጋዚ ፕሮፌሰር የማነ ዘርኣይ “ብቀዳማይ ብርኪ ብጭቡጥ ዝተፈፀሙ ተግባራትን ሳዕቤናቶምን ብካልኣይ ብርኪ ድማ ምርመራ ብምክያድ ዕምቆት እቶም ገበናትን ፈፃሚ ኣካልን ንምፍላይ” ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቡ።

እቲ ገበን ዝፈፀመ ኣካል ክሕተትን ክኽሕስን ስለዘለዎ እቲ ተጠቃዒ ኣካል ድማ ፍትሒ ክረክብ ዘኽእል ከምዝኾነ ዝሓበረ እቲ ኮምሽነር “ህዝቢ ትግራይ ዝበፀሖ ጉድኣት ክፈልጥን ነቲ ፍፃመ ዘምፅኡ ጉድለት ክስተኻኸል ስለዘለዎ እንታይ እዩ ጎዲሉና” ብምባል ኣብ ህንፀት መፃኢት ትግራይ ትምህርቲ ንምውሳድ ዘኽእል ምዃኑ ኣረዲኡ።

ካብዚ ብተወሳኺ ፈፃሚ እዞም ዓለምለኻዊ ገበናት ተፈሊጡ ንካልኣይ ግዜ ከይድገም መረጋገፂ መምሃሪ ስጉምቲ ብምውሳድ ተሓታትነት ንምርግጋፅ ዘኽእል ንዝተበደለ ህዝቢ ፍትሕን ርትዒን ዝወሃበሉ ኣሰራርሓ ንኽፍጠር ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮምሽን ዝተፈላለዩ ውሽጣውን ዓለምለኻዊን ዓቕምታት ኣዋዲዱ ንምስራሕ ዘኽእሎ መስርሕ ይዝርግሕ ከምዘሎ እውን እቲ ኮምሽነር ጠቒሱ።