ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ኤርትራ ክትግበር ዝኽእል H.R. 6600 ዝተሰመየ እገዳ ክትገብር ከምእትኽእል ተገሊፁ።

እዚ ብኣባል ኮንግረስ ቶም ማሊኖወስኪ (ኒው ጀርሲ) ናብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ዝቐረበ እማመ ተፈጻሚ እንተኾይኑ “ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ዝሓየለ ስጉምቲ” ከም ዝኸውን ቢቢሲ ፀብፂቡ።

መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣትሪሮም ዝተቓወምዎ እቲ እማመ፡ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን እንተጸዲቑ ኣሜሪካ ኣብ መዳያት ጸጥታ፣ ፋይናንስ/ኢንቨስትመንትን ጉዳያት ኢሚግሬሽንን ሓድሽ እገዳ ከምእተንብር እዉን ተገሊፁ ኣሎ።

ነዚ ናብቲ ባይቶ ዘቕረቡ ኣባላት ኮንግረስ፡ እቲ ሕጊ ተፈጻሚ ምስ ዝኸውን ኣብ ኢትዮጵያ ምርግጋዕ; ሰላምን ዴሞክራስን ንምህናጽ ንዝግበር ጻዕርታት ክድግፍ ተባሂሉ ትፅቢት ስለዝግበር እዩ።

እቲ እገዳ ኣብ ተሳተፍቲ እቲ ቅልዉላዉ ተባሂሎም ኣብ ዝሕሰቡ ኣብ ውልቀሰባት ዘተኩሩ እገዳታት እዉን ብፕሬዝደንት ጆ ባይደን ከምዝግበር ዝተገለፀ ኾይኑ እቲ እገዳ ናይ ንብረትን ናይ ቪዛን ማዕቀብ ዘጠቓልሉ እዮም ተባሂሉ።

ኮይኑ ግና ነዚ ክልከላታት ጥሒሶም ዝተረኽቡ ሰባት ቀዲሙ ብዝነበሮም ቪዛ ኣሜሪካ ምእታው ኣይኽእሉን፤ ሓድሽ ቪዛ ሒቲቶም ኣይወሃቦምን እቲ ዝረኸብዎ’ውን ክስረዝ ምዃኑ ኣብቲ እማመ ተጠቓሊሉ ኣሎ።

እዚ እማመ ብፕረዚደንት ባይደን ካብ ዝጸደቐሉ ዕለት ጀሚሩ ድማ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያን ኤርትራን እትገብሮ ናይ ድሕነትን ጸጥታን ; ንኽልቲአን ሃገራት ዝወሃብ ልቓሕን ካልኦት ድጋፍን ክቋረፅ ይሓትት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ትካል ረድኤት ኣሜሪካ (ዩኤስኤኣይዲ) ሓዊሱ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ኣሜሪካ ንሓድሕዶም ብምትሕብባር ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናትን ካልእ ጎንጽታት ደው ክብል ስትራተጂ ክነድፉ ምዃኖም’ውን ተጠቒሱ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ካብቶም ንኩናት ትግራይ ኮኒኖም ኣብ ልዕሊ ተሓተቲ እቲ ገበን ዝኾኑ ፅዕንቶ እናፈጠረን እቲ ዕግርግር ደዉ ንኽብል ዝተፈላለዩ ፃዕርታት እናገበረ ምምፅኡ ይፍለጥ።