ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሕላፍ ዝተገበረ ስምምዕ ምቁራፅ ተኹሲ ብዘይምትግባሩ ህይወቶም ንምውሓስ ተስፋ ከምዝሰኣኑ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ተዛሪቦም።  

ብሰንኪ ፖሊሲ ምፅናት ዘርኢ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሕሱም ጥሜትን ሞትን ዝተቓለዐ ህዝቢ ንምውሓስ ማሕበረሰብ ዓለም ግብራዊ ስጉምቲ ክወስድ እቶም ተመዛበልቲ ፀዊዖም።

ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሕላፍ ተፃብኦታት ንምዕጋት ከምዝወሰነ ካብ ዝሕብር ክልተ ሰሙን ዝሓለፎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊድ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ሓገዝ ዘይምህላው ኣብ ቅሩብነት እቲ ብኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፌደራል ሕቶታት ይበራኸቱ ኣለው። 

ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢላ ኣብ ከተማ መቐለ ዘዕቖበት ኣዶ ክልተ ቆልዑ ወይዘሮ ለታይ ሃይሉ “ብኽንደይ ፃዕሪ ዘፅናሕኩዋ ህይወት ደቀይ ንምውሓስ ተስፋ ጌረ ኔረ” ብምባል እቲ ስምምዕ ምቁራፅ ተኹሲ ኣብ ግብሪ ብዘይምውዓሉ ተስፋኣ ምፅልማቱ ተዛሪባ።

እቲ ሓደ ወዲ ክልተ ዓመት ህፃን ሓዚላ እታ ጓል ኣርባዕተ ዓመት ጓላ እናሳለየት ክትልምን ዝረኸብናያ ወይዘሮ ለታይ “ምፍጣርካ ዘፅልእ ኩነታት ጥሜት እዩ ዘሎ” ክትብል ሓቢራ።

“ብደወይ ደቀይ ብጥሜት ከይሞቱ ሙሉእ መዓልቲ ዘይረ ለሚነ ኣብ መዓልቲ ሓንቲ ግዜ ንኽበልዑ ዝገብሮ ፃዕሪ እውን ሎሚ እቲ ነባሪ ንባዕሉ ዝበልዖ ስለዝሰኣነ ከቢዱኒ” ኢላ። 

ኣብ ተመዛበልቲ ዝሰርሓ ዘለዋ ዘይመንግስታዊ ትካላት “ሓንቲ ባኒ ምቕራብ ከይከኣላ ሰብ ብጥሜት እናሞተ ስነልቦናዊ ስልጠና እናበላ ፆሙ ዝሓደረ ሰብ ኣኪበን ዝውዕላ” ከምዝኾና ጠቒሳ።

“ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሓላፍነት ወሲዱ ናብ መዕቆቢ ማእኸላት ዝኣከቦ ተመዛባላይ ንጥሜትን ሞትን ተቓሊዑ እናረኣየ ንሓደ ኣብዪ ኣሕመድ ዝተብሃለ ውልቀ መላኺ ከየኹሪ ምጭናቑ” ከምዘቖጠዓ ተዛሪባ።        

ወይዘሮ ሃይማኖት ካሕሳይ ካብተን ኣብ መሰናደኦ ቤት ትምህርቲ ኣክሱም ዝርከባ 69 ጥኑሳት ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ሓንቲ እያ። 

ሰራዊት ኤርትራ ንሑመራ ምድብዳቡ ስዒቡ “ሬሳ እናሰገርኩ ለይትን ቀትርን ተጓዒዘ ህይወት 3 ደቀይ ኣድሒነ” ዝበለት ወይዘሮ ሃይማኖት ምስደቃ ንጥሜት ምቅልዓ ገሊፃ።  

ካብ ወርሒ ነሓሰ ንደሓር ሓገዝ ከምዘይረኸበት ዝሓበረት ወይዘሮ ሃይማኖት ካሕሳይ ክሳብ ሐዚ ህዝቢ ኣክሱም እናዋፀአ ክሕግዛ ከምዝፀነሐ ብምዝካር “ሐዚ ምናዳ ኩልና ማዕረ ኮይንና ንባዕለይ ሐዚ ንደቀይ ዝቕርበሎም ነገር ሓርቢቱኒ” ትብል።

“ድሕሪ ሐዚ ስለዝደኸምኩ ለሚኑ ዘምፀአለይ እውን የለን ኣብ ሓደጋ ኣለኹ” ብምባል ቅልጡፍ ሓገዝ ክትረክብ እንተዘይክኢላ ንሞት ምቅላዓ ተዛሪባ።   

ንሰብኣዊ ሓገዝ ክበሃል ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ ምክያዱ ስዒቡ ህይወት ደቃ ንምትራፍ ተስፋ ዝነበራ ወይዘሮ ሃይማኖት “ዓለም እናሞትና ስቕ ኢሉ ክምልከት የብሉን” ብምባል ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕልጡፍ ክኣቱ ዘኽእል ግብራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ፀዊዓ።  

ካብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ጣብያ ፍረሰላም ተመዛቢሎም ኣብ መሰናደኦ ቤት ትምህርቲ ኣክሱም ዝርከቡ ወዲ 72 ዓመት ኣይተ ንጉሰ ኣበራ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣተዎ ቃል ዘይምትግባሩ ስዒቡ ህይወቶም ንምውሓስ ዝነበሮም ተስፋ ምቕሃሙ ተዛሪቦም።

ካብ መረበቶም ንሰሙናት ብእግሮም ምጉዓዞም ዝገለፁ ኣይተ ንጉሰ “ምስ ሰበይተይ ህይወተይ ከትርፍ ወፂአ ግን ኣብዚ ከዓ ካብ ጥይት ዝኸፈአ ጥሜት ማሲነ ቀልጢፉ ዘይገላግል ሰላሕታዊ ሞት እፅበዮ ኣለኹ” ክብሉ ገሊፆም።

ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብዕጡቓት ፋኖ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ መሓዩር ይሳቐ ምህላው ዝጠቐሱ ኣይተ ንጉሰ ኣበራ “ወደይ እውን ኣሲሮምዎ” ኢሎም።

ኣተሓባባሪ እቶም ተመዛበልቲ ኣይተ ገብረዋህድ ብርሃነ ብሰንኪ ፖሊሲ ኲናት ጥሜት መንግስቲ ኢትዮጵያ “ካብ ኣፍ ሞት ኣምሊጡ ዝመፀ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ካልኣይ ህልቀት ኣንፀላልይዎ” ክብል ሓቢሩ።  

ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ዝረኽቡ 8 ኣዋርሕ ዘቑፀሩ 14825 ተመዛበልቲ ከምዘለው ዝገለፀ ኣይተ ገብረዋህድ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝድግፎም ዝነበረ ህዝቢ እውን ንባዕሉ ኣብ ሕሱም ጥሜት ስለዝተቓለዐ “ፈተና ሃላዋት” ከምዘጋጠሞም ተዛሪቡ።

ማሕበረሰብ ዓለም “ብዘይትግበሩ መፅበዓታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ክደናገር የብሉን” ዝበለ ኣይተ ገብረዋህድ ብርሃነ “ፅባሕ ህዝቢ ምስሃለቐ ካብ ምድንጋፅ ሎሚ ሰብኣዊ ሓገዝ ምሕላፍ ኣብ ዝኽልክል ኣካል ስጉምቲ ብምውሳድ” ህይወት ሚልዮናት ተጋሩ ከውሕስ ኣተሓሳሲቡ።

ካብ 15 መጋቢት ጀሚሩ ኣብ መዓልቲ 100 ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና መካይን ክኣትዋ ዝነበረ ትልሚ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዛጊድ ናብ ትግራይ ዝኣተዋ 26 መካይን ጥራሕ ከምዝኾና ዝፍለጥ እዩ።

ኣክሱማይት ሚድያ

መቐለ፣ ትግራይ