ሓረስታይ ትግራይ እታወታት ሕርሻ ብዘይምርካቡ 50 ሚእታዊ ምንካይ ምህርቲ ከጋጥሞ ከምዝኽእል ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ትግራይ ኣጠንቂቑ።

ሰብሰራሕ ዕፅዋን ክባን ከምመሳርሒ ኲናት ዝጥቀም ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ እታወታት ሕርሻ ንትግራይ ፈልዩ ምኽልካሉ ሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይ ንምንዋሕ ዘለዎ ፖሊሲ ዘመላኽት ምዃኑ እቲ ቢሮ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ትግራይ ዳይሬክተር ልምዓት ዝራእቲን ምምሕያሽ ልሙዕነት ሓመድን ኣይተ ሰለሙን ገብረስላሴ ሓረስታይ ኩሎም እታወታት ናይ ምጥቃም ልምዲ ስለዝነበሮ ሎሚ ብእዋኑ ክቐርብ እንተዘይክኢሉ ቅልውላው ትግራይ ክናዋሕ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ዕፅዋ ካብ ግዝያዊ ፀገም ሓሊፉ ንዘመናት ዝዘልቕ ሰብኣዊን ቁጠባዊን ሃሰያ የስዕብ ምህላው ዝሓበረ ኣይተ ሰለሙን “ክልከላ እታወታት ሕርሻ 50 ሚእታዊ ምንካይ ምህርቲ” ከምዘስዕብ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ካልኦት ክልላት ንትግራይ ፈልዩ እታወታት ሕርሻ ምኽልካሉ ስዒቡ ካብ ሕብረት ኣውሮፓን ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ብዝተገበረሉ ፀቕጢ ብሸርፊ ወፃኢ ክገዝእዎ ከምዝሓተቶም ኣይተ ሰለሙን ኣረዲኡ።

ንዓሰርተታት ዓመታት ምሩፅ ዘርኢ፣ ዘመናዊ ዱኽዒን ኣግሮ ኬሚካልን ብበዝሒ ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ ምንባሮም ብምጥቃስ “ኣብዚ ሐዚ እዋን ሓረስታይ ትግራይ ሓዱሽ ዘርኢ ክረክብ ስለዘይከኣለ ነንባዕሉ እናተለቓቐሐ ይዘርእ” ከምዘሎ ተዛሪቡ።

“ትግራይ 600 ሽሕ ኩንታል ዘመናዊ ዱኽዒ የድልያ” ዝበለ ኣይተ ሰለሙን ገብረስላሴ ንትካላት ሕቡራት መንግስታት ሓዊሱ 7 ዘይመንግስታዊ ትካላት ብምውዳድ “ንትግራይ ዝኸውን 256 ሽሕ ኩንታል ዘመናዊ ዱኽዒ ዓዲገን” ክብል ገሊፁ።

ይኹን እምበር ኣብ ከይዲ ምጉዕዓዝ ብስም ፈተሻ ምልክታት መንግስታዊ ምትእጉጓል ይረአ ምህላው ዝሓበረ ዳይሬክተር ልምዓት ዝራእቲን ምምሕያሽ ልሙዕነት ሓመድን ኣይተ ሰለሙን ገብረስላሴ “ሓረስታይና እቲ እታወታት ዝደልየሉ እዋን ከይሓለፈ ቀልጢፉ ንኽበፅሕ ዲፕሎማሲያዊ ቃልሲ የድልየና” ክብል ሓቢሩ።

ብተወሳኺ እውን እቲ ብዘይመንግስታዊ ትካላት ዝተዓደገ ዘመናዊ ዱኽዒ ጠለብ 42 ሚእታዊ ሓረስታይ ትግራይ ጥራሕ ዘማልእ ስለዝኾነ ዓለምለኻዊ ትካላት ተወሳኺ ኣማራፂታት ክሪኡ ዘኽእል ምንቅስቓስ ከምዝጠልብ ገሊፁ።

ሎሚ ኣብ ሕርሻ ትግራይ ምስራሕ ብሰንኪ ኲናት ኣብ ብርኪ ተፀባዪነት ዝወረደ ሕብረተሰብ ዓርሱ ክኽእል ምድጋፍ ስለዝኾነ ኣብ ትግራይ ዝነጥፋ ዘይመንግስታዊ ትካላት እታወታት ሕርሻ ኣብ ምምላእ ክነጥፋ ኣይተ ሰለሙን ገብረስላሴ ፀዊዑ።