‘ባንዳ እዩ’ ዝተብሃሉ ምልሻታት ዓዲ ክርሽኑና ኢሎም ሳላ ኣዝማድና ንስለ ተሪፍና!

ብ ፀጋይ ገብረምደህን

ሓቂ ክንናገር ወለዶ ከይደናገር፣ ንማሕበራዊ ሚድያ ነጠፍቲ ዝወፅእ ገንዘብ ትግራይ!

መዛዘሚ ወርሒ ጉንበት 2012 ዓ/ም እዩ ነይሩ፣ ትልሚ ህንፀት ልምዓታዊ ሰራዊት ድጅታል ወያነ ዝካየደሉ እዋን። ኣብ ቢሮ እናሃለኹ ኣብ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ዝሰርሕ ሰብ ደዊሉለይ። ላንድሮቨር ኣብ እትበሃል ካፌ ረኺቡኒ። ኣብ ጥቓ ቢሮና እዩ። ልምዓታዊ ሰራዊት Social Media ክህነፅ ትልሚ ከም ዘሎ ይነግረኒ እሞ፣ ኣነ ድማ ሓጋዚ ናይ’ዚ ልምዓታዊ ሰራዊት ንክኸውን ብላዕለዎት ሓለፍቲ ስለ ዝተሓረኹ ፍቃደኝነተይ ሓቲቱ ስራሕ መደብ ክህበኒ ከም ዝኾነ ይነግረኒ።

ካብ እቶም ስራሕቲ ሓደ ድማ ፕሬዚደንት ክልል ትብግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝገብሮ ዘሎ ናይ ለውጢ ስራሕቲ ፕሮሞት ምግባር እዩ። ግልጋሎት መንግስቲ ክሳብ ጣብያ ምውራዱ ተኣምር ምዃኑ ኣብ ፌስቡክ ክፅሕፍ እሞ ምስ ደመወዘይ ዘይጋነ በቢወርሑ ገንዘብ ድማ ከም ዝክፈለኒ ነጊሩኒ። ክሓስበሉ ኢለዮ ተፈላሊና።

ብፅባሒትኡ ድማ ካሊእ ኣብ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ዝሰርሕ ሰብ ደዊሉ ይረኽበኒ። “ኣብ ፌስቡክ እትፅሕፎም ፅሑፋት ምስ ረብሓ ትግራይ ዘይጓነፁ ምስ ውድብና ዝሳነዩ ክኾኑ ንደሊ ኣለና” ይብለኒ።

“እቲ ክሳብ ሎሚ ዝተኸተልናዮ መንገዲ ወፍሪ ሶሻል ሚድያ ግጉይ ነይሩ ተባሂሉ። ስለዚ ንስኻ ሓራ ኮይንካ ዝመሰለካ እናነቐፍካ ዘኸፍእ እንትኾን ድማ እናተኸላከልካ ንመራሕቲ ዘፀልሙ እናኣረምካ ምሳና ክትሰርሕ ውድብ እውን ናይ ሻሂ በቢወርሑ ዝኽፈል ክትህበካ ከዛርበካ እየ ደልየ” ኢሉኒ።ንኣለም ገብረዋህድ ከመጉስ ወይ ከዓ ምንቃፍ ክሓድግ ሓበረኒ።

5000 ቅርሺ ወርሓዊ ደመወዝ ዝኽፈል ሰብ ተወሳኺ ክንከፍለካ ዝብል ሕቶ ክቀርበሉ እንተሎ ዝፍተኖ ፈተና ከቢድ እዩ። ሕልናኻ ኣካሪኻ ቕርሺ ምርካብ ግን ረሳሕ እዩ። ስርዓት ሰሪትካ ኣብ ክንዲ ተወዳዲርካ ናብራኻ ተመሓይሽ ብሓሶት ወረ ሕቶ ህዝቢ እናዓፈንካ ኸብድኻ ምምላእ ሕማቕ እዩ።

ምስ ሕልናይ ተማኺረ “ኣይኾንን ንትግራይ ዝጠቅም እንተኾይኑ ደስ ዝበለኒ ክገብር እየ፣ ክፍሊት እናተኸፈለኒ ግን ከወድስ ሕልናይ ኣይፈቅደለይን” ኢለ ይምልሰሎም። ሽዑ ንጌታቸው ረዳ እውን “ልምዓት ሰራዊት ሶሻል ሚድያ እምበኣር ትሃንፁ ኣለኹም? ኣረ ግደፉ ስርዓት ትኸሉልና ሕደጉ” ኢለዮ ብድፉኑ። እንተኾነ ኣብ ፅቡቕ ውድባዊ ዋዕዋዕ ስለ ዝነበረ ኣይዓጀቦን። ብዛዕባ ክፍሊት ግን ንክልተ ብጣዕሚ ዝቀርቦም መሓዙተይ እናሓዘንኩ ነጊረዮም ነይረ። ሓዲኡ መሓዛይ ኣነ ድላይካ ክትስእን እንተለኻ ከማልአልካ እየ ሕልናኻ ከይትሸይጥ ኢሉ ስንቂ ትብዓት ኮነኒ። እምቢ በሎም ኢሉኒ።

ኻሊእ ድማ ንዶ/ር ደብረፅዮን ብጣዕሚ ዝቐርቦ ናይ በረኻ መሓዝኡ ዝነበረ ረኺበ ዝኽተልዎ ዘለዉ መንገዲ ትኽክል መሲሉ ከምዘይረኣየኒ፣ ክንከፍለካ ከም ዝበልኒ፣ ንናይ ፌስቡክ “ኣዮኻ ናይናን” “ወይከ ፈተኽ” ፖስትታት ገንዘብ ድኻ ህዝቢ ምፍሳሱ ነውሪ ምዃኑ ንዶ/ር ደብረፅዮን ክነገሮ ነጊረዮ። ነጊሩዎ ዶ ኣይነገሮን እንድዒ!

ድሕሪ እምቢ ምባለይ ብእምቢታይ ዝተነዓቐ መሲሉ ዝተሰመዖ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ ብፀላኢ ፈርጁ ህዝቢ ትውልዲ ጣብያና ኣአኪቡ “ባንዳ ምፅራይ” ኢሎም ብኻድረታቱ ንዓይ፣ ንንእሽተይ ሓወይ ዘመን ገብረመድህንን ንመላእ ስድራንናን ውግዘት ክወርደና ገይሩ።

እቲ ዝተገብረ ተቓሊዑ ስለዝነበረ፣ ጌታቸው ረዳ ኣብ ፌስቡክን ቢቢሲ ትግርኛን ዝተባህለ ሪኡ ደዊሉለይ። ናብ ስድራ ደዊሉ እውን ”ባንዳ ከምዘይኮንኩ” ንሓለፋይ (ወላዲተይ) ነጊሩ ኣረጋጊዑዋ እምበር ዓዲ መቐመጢ ኣስኢኑና ኢሎም ወለዲ መከራና ኣብሊዖምና ነይሮም። እዛ ኣጋጣሚ ንጌታቸው ረዳ ከም ሰብ ዘኽብረሉን ዝፈትወሉን ስርሑ እያ፣ ግን ሕጊ፣ ስርዓትን ትካላዊ ኣሰራርሓን ክኽተሉ እዩ ዝግብኦም ዝነበረ።

ዂናት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ምስ ተጀመረ፣ ሕዳር 2013 ካብ መቐለ ሃዲመ ዓዲ ኣለኒ ኢለ ናብ ትውልዲ ቦታይ እንትኸድ “ባንዳ እዩ” ዝተብሃሉ ምልሻታት ክርሽኑና ኢሎም ሳላ ኣዝማድና ተሪፍና። ዘይትፈልጦ ናይ ስጋ ዘመድ ኣዝዩ ከም ዝጠቅም ዝፈለጥኩሉ እዋን እዩ ነይረ።

ሕዚ እውን መራሕቲ ህወሓት በቲ እንፈልጦ ናይ ትማሊ መንገድና ”ብልምዓታዊ ሰራዊት ሶሻል ሚድያ” ኣቢሎም ሕቶ ህዝቢ ክዕፍኑ ድሌት ለውጢ ክጉዕፅፁ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለዉ። ኣይመሃሩን።

ሓደ ተጓንፎ ክውስኽ። ሽፋን ፅሩይ ዝስተ ማይ ትግራይ 100% በፂሑ ዝብል ፀብፃብ ይሰምዕ ነይረ። 2013 ዓ/ም ግን ኣብ ወረዳ ገረዓልታ ጣብያ ዓዲ ዋልካ ሓተምቲ እትበሃል ቁሸት ካሊእ ሕሰም ስእነት ማይ ሪኤ። ኣብ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ድድበን ትበሃል ጣብያ እውን ህዝቢ ሓጋይ ምድሪ ዝፀንሕ ዕቋር ማይ ሆረየ ክሰቲ ሪኤ። የሐምም!!

ትግራይ ይፎቱ እየ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣዴታት ትግራይ ክሓልፈለን ኡፈይ ክበላ ይደሊ። ነተን ንሰሙን ዝኣክል ዝበስበሰ እግረይ ሓፂበን ዝሓበጠ እግረይ ሓዊ እናፀለዋ ቅድመኻ ይስጠሓኒ እናበላ ዝፈወሳኒ ኣዴታት ትግራይ እንታይ ክክሕሰን ይኽእል? ዋላ ሓንቲ!

ሓንቲ ነገር ግን ሕመቕ መራሕቲ ህወሓት ከይሓሰኹ ተዛሪበ ዝሐሸ ስርዓት ክህልወለን ክሳብ ሂወተይ ክኸፍል ይኽእል እየ። ናይ ልበይ ስለዝፈትወን። ዓቕመይ ንሳ ጥራሕ ስለዝኾነት። ኣሕዋት ቁንጣር ገንዘብ ዘልኣለማዊ ሕልናዊ ዕረፍቲ ኣይህብን ንእሽተይ ፀገም ምቅልል ግን ዕረፍቲ እዩ።

ስለዚ መራሕቲ ህወሓት ምውራዶም ንህዝብና ንእሸተይ ዕረፍቲ እዩ ። ካብ’ቲ ዘበላሽውሉ ዘለዉ ስልጣን ንኽውርዱ ንቃለሶም። ጥዑይ ስርዓት ክስረት ንብሃግ ንትጋህ።

___________________________

ሓባሪ፡

እዚ ፅሑፍ ኣብ ትግራይ ሓደ ወገን ብዘይ ኣግባብ ንምግባልን ካልኦት ድማ ንምፅላምን ንነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝወፅእ ገንዘብ ህዝቢ ሎሚ እውን ጠጠው ስለዘይበለ፣ ‘ሓቂ ክንናገር ወሎዶ ከይደናገር’ ብዝብል ርእሲ ፀገይ ገብረመድህን ኣብ ፌስቡክ ገፁ ብዕለት 19 ለካቲት 2015 ዓ/ም ንኣንበብቱ ዘካፈሎ ከምዘለዎ ዝተወሰደ እዩ።

One thought on “‘ባንዳ እዩ’ ዝተብሃሉ ምልሻታት ዓዲ ክርሽኑና ኢሎም ሳላ ኣዝማድና ንስለ ተሪፍና!

  1. Еvеrything is very open with a cⅼear clarification of the challenges.
    It waѕ truly іnformative. Your sіte is usefuⅼ. Thanks for sharing!

Comments are closed.