ኣለሻ፣ ጉዳይ ደቂ ሕድርትና ፅውፅዋይ ጥራሕ ድዩ?

ብ ሙሩፅ ገብረስላሴ

ደቂ ሕድርትና፣ ዛርቲ ዝብሉ ቓላት ኣብ ሕብረተሰብና ብዙሕ ግዜ ተዋሂብዎም ካብ ዝዝረበሎም ጉዳያት እንትኾኑ ነገር ግን ሓቃውነቱ ክሳዕ ክንደይ እዩ ዝብል ግን ብንጹር ኣብ ጽሑፍ ጎሊሁ ኣይረኣን።

ኣብ ገጠራት ትግራይ ብሰፊሑ ዝዝረበሉ ጉዳይ ደቂ ሕድርትና፣ ንብዙሓት ሰባት ንጹር ኣይኮነን። እቲ ምንታይሲ እቶም ቅድሚ እዚ ሐዚ ዘሎ ወለዶ ዝነበሩ ወለድና ብያታ ሒዞሞ ዝመጹ ታሪኽ ስለ ዝኾነ እሞ ድማ እቲ ሐዚ ዘሎ ትውልዲ ድማ ዝረኣ ነገር ስለ ዝደሊ፣ ተዘይ ኣረጋገጽኩ ዝብል ስምዒት ስለ ዘለዎ ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ጽውጽዋይነቱ ሓሊፉ  ከም ሓቃውነቱ ዝቕበልዎ ሰባት ውሑዳት እዮም።

ነገር ግን ዋላ እኳ ብዙሓት ኣይ ቀበልዎን ኣይ እመንሉን እምበር ኣብ ከባቢታት ገጠር ኣለዋ ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት ብዙሓት እዮም። ካብዙይ ሓሊፉስ “ወሲደናኒ ኔረን” ዝብሉ ሰባት እውን ብቑጽሪ ቐለልቲ ኣይኮኑን። እዞም ሰባት እዚኦም ናበይ ተወሲዶም ከምዝነበሩ ክሕተቱ ከለዉ፣ ገለገሊኦም እስካብ ዝመልሰኦም ኣበይ ከም ዝነበሩ ኣይዝክሩን፣ ነገር ግን ምስኣን ኣብ ዝነበሮም ጻንሒት ብደምቢ ከም ዝከናኸነኦምን፣ ጥዑም ምግቢ ምስኣን ከም ዝቋደሱን ይገልፁ።

ነዚ ንምርግጋጽ ምስ ስድረኦም ብዝተገበረ ቃለ መሕትት እውን፣ ንሰሙን ዝኣክል ተደልዮም ተሳኢኖም ነገር ግን ድሕሪ ሰሙን ከምዝተመለሱ ዘዝንትዉ ኣለዉ። ንምርግጋጽ ተባሂሉ ምስ ቤተ ሰቦም ብዝተገበረ ጻንሒት ድማ ቤተሰብ እቶም ግዳያት ንሰሙን ዝኣክል ካብ ገዝኡ ናበይ ጠፊኡ ከም ዝቐነየ ከምዚ ኢሉ መጽዩ ኢሎም ብዙሕ የዘንትዉ እዮም። ግዳያት ድማ ካብ ገዛና መጽየን ምስ ወሰዳና ቤተ ሰብና እናደለዩና ናሃለዉ ንሪኦም፣ ክጽውዑና ከለዉ እውን ንሰምዖም ኢና፣ ነገር ግን ኣቤት ኢልና እውን ክሰምዑና ኣይከኣሉን ዝበሉ ኣለዉ፣ ገሊኦም ድማ ሱቕ ንኽብሉ ብዝብል ዘፈራርሓና እውን ኣለዋ ይብሉ፣ ገሊኦም እውን ሓቢኣናኒ ዝበሉ ኣለዉ።

ጥቕልል ብዝበለ እንትረአ፣ ኩሎም ዝገለጽዎ እንተሃለወ እዘን ዝብሃላ ዘለዋ ደቂ ሕድርትና ቖናጁ ምዃነን፣ ጥዑም ነገር ዝፈትዋ፣ ጽሩያትን ከማና ከም ደቂ ሰባት ዘዋገዓ ”ናይ ባዕለን ህይወት ዘለወን ጽቡቓት ፍጥረት” ኢሎም እዮም ዝገልጽወን።

ምስኣን ኣብ ዝነበሮም  ጻንሒት ብጣዕሚ ኸም ዝፈትውዎ ዝገልጹ እውን ኣለዉ። ሰረት ሓረግ ትውልዶም እናልዓላ ድማ ወዲ ወዶም ንኣቶ እከለ እንዳበላ እንተዋግዓ ከም ዝሰምዑ እዚ ፀሓፊ ብኣካል ዘዘራረቦም ግዳያት ደቂ ሕድርትና ይገልጹ። ነቲ ሐዚ ዘሎ ሓረግ ብቻ ዘይኮነስ እስካዕ ኽልተ ሚእቲ ዓመት ዝዘልቕ ትውልዲ ሓረግ ናይቶም ግዳያት ኣቦኦም ኣቦታቶም እናልዓላ ከም ዝዛተያን ደቂ ብሩኻት እናበላ ከምዘመጎሰኦምን ይዛረቡ።

ንገለ ገሊኦም ድማ ወዲ እቶም ርጉማት ኢለን ዓይኖም ደፊነን ከም ዝሰደደኦም፣ ካብ ባዕሎምን ኣብ ቤተሰቦምን ምስማዕ ይክኣል እዩ። ብጉጅለ ዝጉዓዛ ኾይነን ዝተፈለየ ጥበብ እየን ዝውንና። ካብ ኣእምሮ ንላዕሊ ሓይሊ እውን ኣለወን ይብል ሓደ ኣብ ኢደን ኣትዩ ዝነበረ ሰብ። ብደቂ ሕድርትና እናበልና ደኣ ንጽውዕ እምበር ብዙሓት ኣወዳት እውን ኣለዉወን እዮም ይብሉ።

ኣብዙይ ክለዓል ዝግበኦ ዓብዪ ታሪኽ ኣሎ።

ናይ ሹም ደብረጽዮን ዓጋመ (ንዓዲ ግራት መስሪቶምዋ ዝበሃሉ ዓብይ ሰብ (በዓል መምህር ሙሉወርቂ ድማ ወዶም ደጃት ክፍለዋህድ እዮም ጀሚሮማ ይብሉ) ናሃቶም ሓላዊ ከፍቲ (ጓሳ) ኣብ ምሕላው ጥሪቱ እናሃለወ ፣ ኣብ ወሓዚ ሩባ ብጣዕሚ ቖናጁ ዝኾና ሰለስተ ጎራዙ ጥራሕ ነብሰን (nuds) ማይ እንዳተሓጸባ፣ ጸሓይ እናተጸለዋ ይርኢ እሞ፣ ነዓዓተን ክርኢ ጥሪቱ ናብ ናይ ሓረስቶት ዝራእቲ ብምእታው ብዙሕ እክሊ በሊዓን የበላሽዋ።

እቶም ሓረስቶት ድማ ነዘን ጥሪት ኣኪቦም ናብቲ እንዳ ዓበይቲ ገዛ የብጽሕወን እሞ እቲ ባርያ (ሰራሕተኛ) መጀመርታ መዓልቲ ብመግረፍቲ ይሓልፍዎ። ደሓር ግን ዳርጋ ኩሉ መዓልቲ ንጉሆ ጥሪቱ ሒዙ ይወጽእ, እተን እንስሳ ገዲፉ ነዘን ቖናጁ ፍጡራን ተሓቢኡ ክርኢ ይውዕል። ንሰን እውን ኩሉ ግዜ ተሓጺበን ጸሓይ እየን ዝጽለዋ፣ ድሕሪኡ ምሸት ከም ኣመሉ ይግረፍ። ከምኡ እናበለ ብዙሕ መዓልቲ ይገብር እሞ፣ ሓደ መዓልቲ ግን እዞም ልኡል ጨኒቑዎም ጸዊዖም እንታይ ከም ዝኾነ ኣጥቢቖም እንትሓትዎ፣ ኩሉ ብዝርዝር የረድኦም።

ንኽትሪኣን ብጣዕሚ ዝማርኻ ቖናጁ ጎራዙ ኣብ ሩባ ማይ ክሕጸባ፣ ክጫወታ ክጋጸባ ብፍላይ ድማ ነቲ ማራኺ ሰውነተን ጥርሑ ጌረን ኣብ ከውሒ ደቂሰን ጸሓይ እንትጽለዋ እናረኣየ፣ ብቑንጅነኣን ተማሪኹ ኩሉ ነገር ረሲዑ ከም ዝውዕል እሞ፣ ደሓር ግን ኣጋምሸት ምስተሰወራ ኩሉ ነገር ትዝ ከም ዝብሎ ብስፍሓት የዋገዖም።

 እዞም ልኡል (ሽም ደብረጽዮን ዓጋመ ወደያ ስዋወ) ሓሻኽሮም ብምጽዋዕ ሰለስተ ጓንዴ ዝርከብዎም ብዙሓት ተተኮስቲን ጦርን ሒዞም ብምኻድ፣ ብሰላሕታ እተን ቆናጁ ዝነበረኦ ቦታ ክኽበብ ብምግባር፣ ብቶኽስን ድምጽን ዓዲ ኣናወጽዋ። ሽዑ ኣፍቲ ቕጽበት ሰለስተ እየን ኔረን፣ እተን ክልተ ተቐላጢፈን እንትስወራ፣ እታ ሓንቲ ግን ተደናጊጻ ደንበርበር እንትትብል፣ ሓደ ትርኑዕ ሓሽከር ተቐላጢፉ ሓዛ። “ስማ ድማ ወርሖ ትብሃል” ኢሎም ዓበይቲ ሰባት ማእኸል ትግራይ ይዛረቡ። ወርሖ ጓል ጸላይ ዝበሃል ብጣዕሚ ሓያልን ትርኑዕን ወዲ ሕድርትና እያ።

ዋላ እኳ ነዚ ያታ ዘጠናኽር እንተረኸብኩ ኢለ መጻሕፍቲ ኣጋላቢጠ ተወሳኺ እንተዘይረኸብኩ፣ ዓበይቲ ዓዲ ኣሕሰኣን የሓን ግን ብደምቢ ዝተመስከረሉ እዩ ኢሎም ይገልጽዎ። ሹም ደብረጽዮን ዓጋመ ንወርሖ ምሓዙ ዕድለኛ እዩ ኢሎም እውን ይዛረቡ። ምኽንያቱ ወርሖ ጓል ጸላይ እያ። ጸላይ ከዓ ብጣዕሚ ተፈታውን ኣብዚሑ ዝኽበርን ጀግና ወዲ ሕድርትና እዩ ኔሩ ይብሉ።

ሹም ደብረጽዮን ዓጋመ ወደያ ስዋወ ካብ ወርሖ ን ደጃት ክፍለዋሕድ እዮም ወሊዶም። ደጃት ክፍለዋህድ ገና ካብ ቖልዕኦም ምልኩዕን ንቑሕን ኔሮም።

ድሕሪኡ ግን ጸላይ ጓሉ ብሓይሊ ስለ ዝተወሰደቶ ሕነ ክፈዲ ኢሉ ናብ እንዳ ሹም ዓጋመ እናመጸ ጥሪቶም በቢ ሓንቲ ምቕታል ጀመረ። እንስሳ ናይቶም ሃፍታም በዓል ስልጣን ኣብ ዝኸደኦ ክፍገማ ጀሚረን። መን ከም ዝቐትለን ዘሎ ግን ክፍለጥ ኣይተኽኣለን። ደሓር ግን ቤተሰብ ናይታ ብሓይሊ ዘምጽዋ ኣዶ ወዶም ምዃኖም ካብ ባሮቶም ቐስ እናበለ ምምጻእ ጀመረ።

እዚ እንትኸውን ወርሖ (ጓል ሕድሪት) ኣብ ውሻጠ ተዓጽያ ትሕሎ ነበረት። ድሕሪኡ ግን ክደኽዪ ምስበሉ ንወርሖ ክሰድዋ ተስማዕምዑ። ትሽዓተ ጻዕዳ ብዕራይ ሓሪዶም ምስ ጸላይ ተዓሪቖም ድማ ንወርሖ ናብ ቤተሰባ ሰደድዋ እሞ ተሰወረት። ኣብቲ ስምምዕ ግን ክፍለዋሕድ ምስ ኣቡኡ ክኸውን ተስማዕምዑ።

ደጃት ክፍለዋሕድ ታሪኾም ብዙሕን መሳጥን እዩ። ኣብ ካሊእ እዋን ክንምለሶ እንተኾይንና እምበር ብጣዕሚ ብዙሕ ዝዝረበሎም ሰብኣይ እዮም። ብመልከዖም ተወዳዳራይ ከም ዘይነበሮም ኣብ ከባብታት የሓን ኣሕሰኣን ከይደ ዘዘራረብክዎም ብጣዕሚ ዓበይቲ ሰባት ካብ ቀደም ዝመጸሎም ታሪኽ ተቐቢሎም ይዝንትዉ።

ምስጢር ሚሒር መልከዐኛ ምዃኖም እንትዛረቡ ድማ ወርሖ ካብ ደቂ ሕድርትና ትውለድ ብጣዕሚ ጽብቕትን መልከዐኛን ስለዝነበረት፣ ናይ ኣዲኦም መልክዕ ወሪሶም እዮም እዩ ይብሉ። ደጃት ክፍለዋሕድ ብጣዕሚ መልኸዐኛ ስለ ዝነበሩ ን ጓል ሃጸይ ሰርጸድንግል ኤክሰሳይት ከም ዝተመርዓዉ እዞም ኣቦታት የዘንትዉ። ኤክሰሳይት ብመልከዖም ተማሪኻ ከም ዝተመርዓወቶም እንተኾነ ግን ኤክሰሳይት እውን ብመልክዓ ተወዳዳራይ ከምዘይነበራ ይገልጹ እሞ ካብ ናይ እንግሊዛውያን ዘርኢ ስለ ዝነበራ ናብ ጻዕዳ ገጽ እያ ኔራ እውን ኢሎም የብራህርሁ። ድቃል እያ እውን ይብልዋ።

ልዕልቲ ኤክሰሳይት ኣቦኣ ዝሓደርክዮ ጉልትኺ ዝወዓልክዮ ርስትኺ ኢሉ ሰዲድዋ ተባሂሉ እዩ ዝዝረብ ዝብሉ ሰባት እንተሃለው’ኳ ኣብ ከባቢ ዓድዋ ኣብ ዙርያ ድብድቦ ዝርከብ 12 መጋርያ ፀብሪን ንማይቅነጣል ሓሊፍካ ዝርከብ ስግሊን ብሙሉእ ጉልትኺ ኢሉ ንጓሉን ንተወለድታን ኢሉ ከምዝሃባ ግን ምስክርነት እውን ኣየድልን፣ ኩሉ ትውልዳ ስለ ዝኾነ ጽሩይ እዩ። ክሳዕ ሐዚ እውን ብደንቢ እዩ ዝዝረበሉ።

ልእልቲ ኤክሰሳይት ጓል ሃጸይ ሰርጸ ድንግል ዝተመርዓወቶም ደጃት ክፍለዋሕድ ብጣዕሚ ቖንጆ፣ ጅግናን ተባዕን ሰብኣይ ኔሮም። ደጃች ክፍለዋሕድ ድሕሪ ሞት ሰርፀድንግል ንወዱ ያእቆብ ደጊፉ ኣብ ኲናት ትዋጊኡ እዩ እውን ተባሂሉ ይዝረብ። ደጃት ክፍለዋሕድ ጀግና ጥራሕ ዘይኮነ ጽቡቕ ዳኛ እውን እዮም ኔሮም ያ። ዋላኳ ኣብዙይ ኩሉ ጻንሒቶም ንምግላጽ እንተዘይ ደፋእኹሉ፣ ካብ ዓጋመ ጀሚርካ ስጋዕ ዓድዋን ከባቢኡን ዘለዉ ከባብታት ይዳንዩን የመሓድሩን ከም ዝነበሩ እዩ ዝሕበር።

ደጃት ክፍለዋሕድ ግዝኣቶም እስካዕ ባሕሪ ብምግባር ሽመቶም ድማ ኣብ ማርያም ሸዊቶ ጌሮም (ዋላኳ ነዚ ዝጻረሩ ይሃልዉ) ነተን ናይ ግዝኣት ከባቢታቶም እናዞሩ ይዳንዩ ነበሩ። ኣብ ክሊ እዙይ ሓደ መዓልቲ ካብ ወሃቢት ናብ እንዳማርያም ሸዊቶ እናኸዱ ኣብ ማይስገም እንትበጽሑ ብማዕዶ ጻዕዳ በቕሊ ወርቂ ተሸላሊማ ናብኦም እናጎየየት መጸት። ኣብ ጥቐኦም ምስ በጽሐት ድማ ጠጠው በለት። ደጃት ክፍለዋሕድ እውን በቕሎም ደው ኣቢሎም ወረዱ እሞ መልክዓን እቲ ተሸሊማቶ ዘላ ወርቂ ሽልማትን እናገረሞም ክሙክርዋ ኢሎም ደየቡ። እታ በቕሊ ግን ትርንዕትን መልእኽተኛን ነበረት እሞ እናጋለበት ድማ ካብ ሓሻኽሮም መንጢላ ናብ ደቂ እነኦም ማለት እውን ደቂ ሕድርትና ወሰደቶም። ናብ ኣሕሰኣ ሚፍጣዕ እንዳባ ፍዞ ዝበሃል ወሲደን ሰዊረንኦም ድማ ይብሃል። ሓደ ሓደ እውን ምልኩዕ ስለ ዝነበሩስ ቐኒኣን እየን ሓወን ወሲደን ንባዕለን ጌረንኦም ዝብሉ ኣለዉ። ዝኾነ ኾይኑ ሰዊረንኦም ማለት እዩ።

ደጃት ክፍለዋሕድን ልዕልቲ ኤክሰሳይትን (ክርስቶሳዊት እውን ይብልዋ እዮም መምህር ሙሉወርቅ) ሓዳር ጌሮም ብሓባር እንትነብሩ፣ ሽዱሽተ ያ ወሊዶም። በቶም ዓበይቲ ዓዲ ንልእልቲ ኤክሰሳይት ኣዴና ኢሎም እዮም ዝገልጽዋ። እቲ ምንታይሲ ማንታ ማንታ ጌራ ሽዱሽተ ድሕሪ ምውላዳ ነቶም ደቃ ድማ ብ ርስቲ ኣውሪሳ እያ። ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ድማ ኤክሰሳይት ንኹላህና ኣዴና እያ ይብሉ ከባብታት መጋርያጸምሪ፣ ኣሕሰኣ፣ ራማ፣ እንዳማርያም ሽዊቶን ብጠቕላላ ብዝይሓት ከባብታት ማእኸላይ ትግራይ።

ብሰለስተ ዙር ካብ ልዕልቲ ኤክሰሳይት ዝተወለዱ ማናቱ ደቂ ደጃት ክፍለዋሕድ ዝስዕቡ እዮም።

  1. ባኪሞስን ኣመተጽዮንን፣
  2.  ወለተድንግልን ዘወልደማርያምን
  3.  ከምኡ’ውን ዮሃንስን ወለተሃዋርያትን ዝበሃሉ እዮም።

ነዚኦም መማንታ ጌራ ምስ ወለደት ድማ ድሓር እዚኦም ምስ ዓበዩ፣ እቲ ዝተውሃበቶ ዓዲ ንሽዱሽቲኦም ከም ዝኸፋፈለቶም እዩም እቶም ደቂ ዓዲ ዝዛረቡ። ዓበይቲ ዓዲ ወሃቢት፣ ዓዲራእስን ትኩዝን ድማ ነቲ ኣብ መፋርቕ ዓሰርተ ሽዱሽተ ክፍለዘመን ዝነበረ ታሪኽ ኣቕሊሎም ትውልዱ ከይቀረየ ስጋዕ ሐዚ ትውልዲ ይቖጽሩዎ። ሓቃውነት ናይቲ ታሪኽ ሰፊሕ ዝገብሮ ድማ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ኬድካ ተመሳሳሊ ያታ ትረክብ ምዃኑ እዩ፡፡

 ኤክሰሳይት ነቱ ኣቦኣ ዝሃባ ዓዲ ኣብ ሹድሽተ መቒላ ንሹድሽተ ደቃ ሂባቶም።

  1. ንባኪሞስ -ጓዱብ
  2.  ንኣመተጽዮን-ዓዲቀልቀል
  3. ንወለተድንግል-ዋዓጋ
  4. ንዘወልደማርያም-ዳጋ
  5.  ንዮሃንስ – ዓደቀርእስ
  6. ንወለተሃዋርያት- መስሓል ፣ መቓቒላ ሃበቶም።

ምስ ሞተት ድማ ኣብ ጥንታዊ ገዳም ማርያም ወሃቢቶ እያ ተቐቢራ። እቲ ዝገርመካ ነገር ድማ እዚ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓማውቲ ዘቑጸረ ናይ ኤክሰሳይት መቓብር፣ እቶም ካህናትን ህዝቢ እቲ ኸባብን ብደምቢ እዮም ዘኽብርዎ። ”ናይ ኣዴና መቓብር” እናተብህለ ድማ እስካዕ ሎሚ የስታውስዎን ብንጹር እውን ይፈልጥዎን።

ናብዘን ኤክሰሳይት ንደቃ ዝሃበተን ዓድታት ኩለን ንምኻድ ሞኪረ ኔረ። ኣብ ኩለን ከባብታት ድማ ናይ ደቂ ሕድርትና ዝና ዝለዓለን ዝገነነን እዩ። ብኽብሪ እየን ድማ ዝጽወዓ። እቲ ምንታይሲ ተዋሊዶም ስለ ዝኾኑ ኣሕዋትና እዮም ዝብልወን። ካፍተን ሽዱሽተ ዓድታት ሓንቲ ዓዲ ኣብ ቀረባ ኮይኑን  ተጌሩን ተባሂሉ ኣብ ሰለስተ  ዓበይትን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታ ዝርከቡን ሰባት ከም ዘረጋገጽክዎ  ከምዚ ዝስዕብ ጌረ ከቕርቦ እየ።

ኣብ እንዳ ሓደ ኩሩዕ ትግራዋይ (ስምናን ንጹር ኣድራሻናን ኣይጠቐስ ስለዝበሉኒ)  ናይ ጓሎም መርዓ ተጌሩ ዳስ ሰብ መሊኡ  እናተበልዐ፣ እናተሰተየ፣ እናተጎየለ ውዒሉ። ቤተ ሰብ ቦኽሪ ጓሎም ኣመርዕዮም ብጣዕሚ ተሓጒሶም እዮም ውዒሎም። ኣብቲ ከባቢ ቦኽሪ መርዓ ማለት እውን ሰብ ሓዳር ሓዳሮም ምስ ወጹ ናይ መጀመርያ ጓሎም ወይ ወዶም ዘመርዕውሉ ኣካይዳ ዝተፈለየ እዩ።ብጣዕሚ ዓብይን ነቲ ገዛ ይምጥን እዩ ዝብልዎን ኩሉ ጌሮም እዮም ዘመርዕዉ።

እዞም ገዛ እውን ኮሪዖም ኣመርዕዮም፣ እኽለማይ እውን ጽቡቕ ኮይኑሎም። ጽቡቕ ጌሮም ጓሎም ኣመርዕዮም ቤተ ሰብ ካብ ርሑቕ መጽዩ፣ ደስትኡ እናተኻፈለ ውዒሉ። እታ ቖልዓ (መርዓት) ብጣዕሚ ምልክዕትን ምእዝዝትን ከም ዝነበረት ቤተሰባ ይዛረቡ። ከም ባህሊ ኸባብን ኣብ መብዛሕትኡ ትግራይ ዝግበርን ድማ ድሕሪ መርዓ ናይ እንዳ ጓል መርዑትን ወራዲ መርዓን መርዓቶም ሒዞም እንዳወዲ ክኸዱ ስለ ዘለዎም፣ መርዓቶም ሒዞም ኣዕርኽቲ መርዓውን ወራዲ መርዓን እናጎየሉ፣ እናሳዕስዑ፣ እናተሰሓሓቑ ናብ እንዳወዲ ይኸዱ ኔሮም።

ኣብ መንገዲ እናኸዱ ግን መርዓት ሽንቲ መጽዩኒ ስለ ዝበለት፣ ወራዲ መርዓ ጠጠው ንኽብል ተኣዚዙ። ቦኽሪ ዓርኪ ሰለስተ ርእሱ ኮይኑ ካብ መንገዲ ግልስ ኢሎም ኣብ ሓደ እምኒ ጽግዕ ኢላ ኽትሸይን ይግበር። መርዓትን ቦኽሪ ዓርክን ብዛዕባ ለይቲ ኣብ ዳስ ዝገጠሞም መስሕቒ ነገራት እናተዘራረቡ፣ ንሳ ክትሸይን ንሱ ግን ንንየ ገጹ ጌሩ ከዋግዓ ጀመሩ።

ድምፃ ጠፊእዎ ጽንሕ ኢሉ ግልፅ ተበለ ግን መርዓት ክትርከብ ኣይከኣለትን። ቦኽሪ ዓርኪ እውን እንተኾነ መርዓት እናተዛረባ እናሃለወ ናበይ ከምዘበለት ስለዘይፈለጠ ደንዚዙ ሱቕ በለ። ኣብ ሰሓቕን ጫውጫውታን ዝነበረ ወራዲ መርዓ ናብ ራዕድን ድንጋጸን ኣተወ።በረኻ ስለ ዝነበረ ኩሎም ተበቲኖም ሃሰው ክብልዋ  ጀመሩ።

ፍሉያት ልኡኻት ናብ እንዳጓል ተመሊሶም ክእልሽዋ ተገበረ። መርዓት ግን ክትርከብ ኣይከኣለትን። ብጣዕሚ ርሑቕ ዝበሃሉ ኣዝማድ እውን ከይቀረየ መልእኽቲ ተላኢኽዎም ከምዘየላ ተረጋጊጹ እንተብቅዕ ንብዙሕ እዋን ዋላኳ እንተተደለየት ክትርከብ ግን ኣይከኣለትን።

ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ኣቡኣ ነታ ዝጠፍኣት መርዓት ብሓዘንን እርጋንን ካብዛ ዓለም ብሞት እንትፍለዩ ግን፣ ሓደ ናይቲ ዓዲ ሊቅ እዚ ነገር እዙይ ጥርጣረ ስለ ዝሓደሮም ”ትህሉ ትኾን እያ” ብዝብል ናፍቲ ዝጠፍኣትሉ በረኻ መእወያይ ሰደዱ። መእወያይ ኣእውዩ እንትምለስ ሬሳ ኣብ ቤተክርስትያን በጺሑ ክድበ ቐሪቡ ኔሩ ይብሉ።

ድሕሪ ደቓይቕ ግን ተራእዩ ዘፈልጥ ክስተት ኣብ ዙርያ እቲ ቤተ ክርስትያን ተኸሰተ። ኣቦየ- ኣያየ-ኡይይይ ብኽያት እሞ ድማ ናይ ሓንቲ ሰበይቲ ኣይኮነን፣ ናይ ብዙሓት ሰባት ድምጺን ኣውያትን። ቐባሪ ብፍርሒ ርዒዱ ከው በለ። እቲ ምንታይሲ ድምጺ እምበር ዝረኣ ሰብ ስለ ዘይነበረ። ነገር ግን እታ ዝጠፍኣት መርዓት ምስኣተን ደቂ ሕድርትና ወሊዳ ተዋሊዳ ብዙሓት ቖልዑ ኣፍርያስ ያ ”ኣሕዋትና” እናበሉ ይዛረቡ።

______________________________

ስለ ፀሓፊ፥

ሙሩፅ ገብረስላሴ– መምህርን ብዓል ሞያ ባንክን እንትኸውን ብዛዕባ ብዓይኒ ዘይረኣዩን ዝጠፍኡን ፍጡራን ክፈልጥ ይህንጦ፣ ይመራመር። ብስነ ሒሳብን ፋይናንስን ቀዳማይ ዲግሪ ዘጽንዐ እንትኸውን፣ ሕዚ ድማ ብፖለቲካል ኢኮኖሚክስ መደብ ማስተርስ ተምሃራይ እዩ።