ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ዝጣየሸሉ ኣማራፂ ረቂቕ ሕገ-ደንቢ ኣቕሪቡ

ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ኣጣይሽኡ እንታይ ክመስል ኣለዎ፣ ልእኽቱ እንታይ ክኾን ይግባእ፣ ተሳተፍቲ ኣካላት ብዓል መን ይኹኑ፣ ወዘተ ንዝብሉ ሕቶታት ይምልስ ዝበሎ ነቲ ብ ”ካቢኔ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ” ዝረቐቐ ሕገ-ደንቢ (ኣዋጅ) ኣማራፂ መልሲ ብዝኸውን መልክዑ ኣርቂቑ ንህዝቢ ዕላዊ ገይሩ። እቲ ነቲ ብካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ተኸቲሉ ዝረቐቐ ሕገ ደንቢ ኣርባዕተ ክፍልታትን 25 ዓንቀፃትን ዝሓዘ እዩ። ብበዝሒ ኽፍልታትን ዓንቀፃትን ኣፈላላይ እኳ እንተዘይሃለዎ ብትሕዝቶ ግን ናይ ሳወትን ግዚያዊ ምምሕዳርን ደንብታት ኣዝዮም ዝተፈላለዩ እዮም።

እቲ ብካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝቐረበ ረቂቕ ሕገ ደንቢ ሸሞንተ ኣካላት ክሳተፍሉ ዝሓትት ኮይኑ፣ እቲ ብውድብ ሳወት ዝቐረበ መማረፂ ድማ ሰለስተ ኣካላት ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። እቶም በቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ኣካል እቲ ዝጣየሽ ቤት ምኽሪ ክኾኑ ዝተሓሰቡ ካብ ኣባላት ነባር ቤት ምኽሪ 76 ሰባት (50⋅3%)፣ ካብ ውድባት ተናሓናሕቲ ፖለቲካ 23 ሰባት (15⋅23%)፣ ካብ ሲቭል ማሕበራት ትግራይ 14 ሰባት (9⋅27%)፣ ካብ ሰራዊት ትግራይ 12 ሰባት (8%)፣ ብማሕበር ካብ ዝተወደቡ ምሁራት ትግራይ ትሽዓተ ሰባት (6%)፣ ካብ ዲያስፖራ ትግራይ ኣርባዕተ ሰባት (2.6%)፣ ካብ ብሄረ-ሰብ ኢሮብ ሓሙሽተን ብሄረ-ሰብ ኩናማ ሰለስተን ብድምር ሸሞንተ ሰባት (5⋅2%)፣ ካብ ተፈለጥቲ ውልቀ ሰባት ትግራይ ሓሙሽተ ሰባትን (3⋅3%) ዝተወፃፅኡ ኮይኖም ብድምር 75 ኣባላት ዝሓቖፈ ክኸውን የቐምጥ። እቲ ካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ካብ ተሳተፍቲ በዝሕን መጠን ተሳትፍኦምን ቀዳማይ ምርጭኡ እዚ ዝተገልፀ ኮይኑ፣ ከም ካልኣይ ኣማራፂ ዘቕረቦ 114 ኣባላት ዘለዎ ካውንስል እውን ኣቐሚጡ እዩ።

እቲ ብሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ዝቐረበ ኣማራፂ ረቂቕ ደንቢ ድማ እቲ ዝጣየሽ ግዚያዊ ካውንስል ወይ ቤት ምኽሪ ሰለስተ ኣካላት ዝሓቖፈ ንኽኸውን ዝሓትት ኮይኑ፣ እዚኣቶም ድማ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ሲቪል ማሕበራት፣ ከምኡ እውን ኣብ ምክልኻል ፅንተት ዝተሳተፉ ተጋደልትን ምዃኖም ጥቕልል ብዝበለ መልክዑ የቐምጥ። ዝህልዎም ውክልና እንትዝርዝር ድማ ንህወሓት ሓዊሱ ካብ ኩሎም ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ሕድሕዶም ብማዕረ ዝውከልሉ 60 (ስሳ) ሰባት (60%)፣ ካብ ሲቪል ማሕበራት ትግራይ 21 (20.5%) ኮይኑ ኣብዚ ዝሕቆፉ ኩሎም ዝተመዝገቡ ሕጋውያን ማሕበራት ብማዕርነት ዝተወከሉ 9 ፣ ብማሕበር ካብ ዝተወደቡ ምሁራት ትግራይ 6፣ ካብ ተመዛበልቲ 6 ሰባት ክኾኑ ኣለዎም እንትብል፣ ካብ ኣብ ዝሓለፉ ስለስተ ናይ ፅንተት ኩናት ዓመታት ዝተሳትፉ ተጋደልቲ ትግራይ ዝወከልዎም 20 ሰባት (20%) ክኾኑ ኣለዎም ክብል የቐምጥ። ብድምር ድማ 101 ሰባት ዘለውዎ ግዚያዊ ካውንስል (ግዚያዊ ቤት ምኽሪ) ክቐውም ይሓትት።

ብሳወት መሰረት ተፀዋዕነት እቲ ጊዚያዊ ቤት ምኽሪን ኣባላቱን ‘ንሕጊ፣ ንሕልናኦምን ንዝወከሎም ኣካልንከም ዝኸውን ዝገልፅ እቲ ረቂቕ ደንቢ፣ ዕደሚኡ ድማ ዕድመ እቲ ግዚያዊ ምሕደራ ክኸውን የቐምጥ። ካቢኔ ግዚያዊ ምሕደራ ትግራይ ድማ ክጣየሽ ዘለዎ ኣማኻሪ ካውንስል እዩ ኢሉ ዝኣምን እንትኸውን፣ ተፀዋዕነቱ ንፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ክኸውን ከም ዘለዎ፣ ዕድሚኡ ድማ ዕድመ ግዚያዊ ምምሕዳር ክኸውን ይድንግግ።

ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስልጣን እቲ ቤት ምኽሪ ናይ ኣማኻርነት ጥራሕ እምበር ወሳናይነት ከምዘየብሉ ዝገልፅ እዩ። ውድብ ሳወት ዘቕርቦ ኣማራፂ ግን እቲ ቤት ምኽሪ ዝልዓለ ብዓል ስልጣንን ወሳናይን ኽኸውን ኣለዎ ዝብል እዩ። ካብ ሳወት ብተወሳኺ ኣማራፂ ሓሳብ ዘቕረበ ትካል ትግራይ ፣ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ምሁራን ትግራይ GSTS ኮይኑ ንሱ እውን ዝልዓለ ስልጣን ዘለዎ፣ ወሳናይ ዝኾነ ካውንስል ክህሉ ከም ዝምዕድ ዕላዊ ገይሩን ዝርዝር ሰነድ እውን ኣቕሪቡን እዩ። GSTS ዕድመ እቲ ቤት ምኽሪ 40 ወርሕታት ወይ ድማ ሰለስተ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ክኸውን እውን መበገሲ ሓሳብ ኣቕሪቡ እዩ።

ሙሉእ ትሕዝቶ ረቂቕ ደንቢ ካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳርን ውድብ ሳወትን ኣብዚ ተሓቲሞም ኣለዉ፣ ዝርዝር ንምፍላጥ የንብቡ።