ሳወት ምስረታ ሃገረ ትግራይ ዕላምኡ ገይሩ ኣፅዲቑ፣ ሓዱሽ ኣቦ ወምበር ሓርዩ

ብሄራዊ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ብዕለት 29ን 30ን ሕዳር 2016 ዓ.ም ኣብ ዝገበሮ እቲ ውድብ ካብ ዝምስረት ንኻልኣይ ግዘ ዝተሳለጠ ጉባኤ ኣብ ስሪት፣ መመስረቲ ፅሑፍን ፕሮግራምን ተመያይጡ ከም ዘፅደቐ ዕላዊ ገይሩ። ፈላማይ ጉባኤ እቲ ውድብ ካብ 25-26 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ተኻይዱ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።

ሳወት ካብ ህወሓትን ዓረናን ቀፂሉ ኣብ ትግራይ ካብ ዝንቀሳቐሱ ውድባት ሳልሳይ ኮይኑ ብዕለት 11 ማዝያ 2011 ዓ.ም ተመስሪቱ፣ ብዕለት 24 ማዝያ 2011 ዓ.ም ድማ ካብ ኮሚሽን ቦረድ መረፃ ፌደራል ኢትዮጵያ ግዚያዊ ኣፍልጦ ረኺቡ፣ ትግራይ ሽኻሉ ዝገበረ ቃልሲ ክካየድ ክጉስጉስ ዝፀንሐ ብሄራዊ ውድብ እዩ። ድሕሪ ምስረታ ሳወት ብሄራውያን ውድባት ባይቶናን ውናትን ከምኡ እውን ካልኦትን ከም ዝሰዓቡ ድማ ዝፍለጥ እዩ።

ካብ ዝምስረት ሓሙሽተ ዓመት ዝገበረ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ብዛዕባ ኣብ ስራሕ ዘሎ ስሪቱ ተመያጡ ከም ዘፅደቐ፣ ኣወዳድባ ክፍልታቱ እውን ካብ ዓሰርተ ናብ ሸውዓተ ክፍልታት ከም ዝቐነሰ ኣፍሊጡ።

ብልምዲ ኣወዳድባ ህወሓት ማእኸላይ ኮሚቴ ዝብሃል ኣብ እንዳ ሳወት ”ብሄራዊ መሪሕነት” ዝብሃል ኮይኑ፣ 25 ኣባላት ዝሓዘ ብሄራዊ መሪሕነት ከም ዝተመረፁን፣ ሸውዓተ ድማ ተጠባበቕቲ ብሄራዊ መሪሕነት ተባሂሎም ከም ዝተሓረዩን ሓልፊ ክፍሊ ርክብ ህዝብን ሚዲያ እቲ ውድብ ዝኾነ ኣይተ ኪሮስ ሃይለስላሰ የብርህ። ካብቶም ዝተመረፁ ኣባላት ብሄራዊ መሪሕነት እቶም ልዕሊ 50 ሚኢታዊ ሓደስቲ ሰባት ምዃኖም እውን እቲ ሓላፊ ገሊፁ።

ብተወሳኺ ድማ ሸውዓተ ኣባላት ምስ ክልተ ተጠባበቕቲ ንኣላይነት ውድብ (ቁፅፅር ኮሚሽን) ከም ዝተመረፁ፣ ካብ ብሄራዊ መሪሕነት ዝተመረፁ ኣቦ ወምበርን ምክትል ኣቦ ወምበርን ዝመርሕዎን፣ ሸውዓተ መራሕቲ ክፍሊ ዝሓዘ ድማ ቤት ፅሕፈት ሳልሳይ ወያነ የዋቕር ብዝብል ስሪት እቲ ውድብ መሰረት ድማ መረጻታትን ምደባታትን ተኻይዶም እዮም ተባሂሉ። በዚ መሰረት ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ን ኣሉላ ሃይሉ ነጋ ኣቦ ወምበር ገይሩ ዝመረፀ እንትኸውን፣ ን ገብረትንሳኤ ወልደሚካኤል ድማ ምክትል ኣቦ ወምበር ገይሩ መሪፁ እዩ።

ንብሄራዊ መሪሕነነት ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዝተመረፁ እዞም ዝስዕቡ እዮም።

1) ጌትነት ገብእግዚኣብሄር ረዳ

2) ሓያሉ ጎደፋይ ስዩም

3) ዓብለሎም ገብረሚካኤል መለስ

4) ሃይሉ ከበደ በርሀ

5) ክንፈ ሓዱሽ በላይ

6) የማነ ካሳ ሃይሉ

7) ኪሩቤል ገብረእግዚኣሄር ኣባይ

8) ኪሮስ ሃይልስስላሰ ገብረስላሰ

9) ታደለ ሓዱሽ ኣብርሃ

10) ተኽለሃይማኖት ባወቀ ረዳ

11) ፀጋዛኣብ ሽሻይ ገብረመድህን

12) ኣሉላ ሃይሉ ነጋ

13) ካሕሳይ ሃይሉ ጌታሁን

14) ግርማይ ፀጋይ ነጋሽ

15) ጨርቆስ ወልደጊዮርጊስ በየነ

16) ዘርኣይ ገብረዮሃንስ ወልደሃወርያት

17) ገብረትንሳኤ ወልደሚካኤል ገብረህይወት

18) ፈረደ ሓድጉ ገብረእግዚኣብሄር

19) ንጉስ ኣረፈ ገብረመድህን

20) ሽሻይ ንጉስ ሃደራ

21) ብርሃነ ኣፅብሃ የሐይሽ

22) ሃይልኣብ ሃይለስላሰ ብርሃነ

23) ብርሃነ ኣርኣያ ኣሰፋ

24) ንጉስ ኣለነ ኣሰፋ

25) ምሕረተኣብ ብርሃነ ኣስመላሽ

ካብዚኦም ብተወሳኺ እቲ ውድብ ሸውዓተ ሰባት ንብሄራዊ መሪሕነት ብተጠባባቕነት ከምዝሓረየ ኣፍሊጡ እዩ። እቶም ንኣላዪ ውድብ (ቁፅፅር) ዝተመረፁ ድማ ዝስዕቡ ኮይኖም ክልተ ተጠባበቕቲ ኣለውዎም እዮም።

1) ጌትነት ኣሰፋ ኣማረ

2) ደጀን ሃይለ ተስፋይ

3) ኣሰፋ በርሀ ኣርኣያ

4) መለስ በላይ ብርሃነ

5) ክብሮም ኣምባቸው ወ/ገብርኤል

6) ገብረኪዳን ኣማረ ኣለሙ

7) ተስፋኣለም መዓርግ ተስፋይ

ብኣቦ ወምበርነት እቲ ውድብ ንሓሙሽተ ዓመት ከገልግል ዝፀንሐ ኣይተ ሓያሉ ጎደፋይ ንባዕሉ ካብ ሕፁይነት ኣቦ ወምበርነት ብምግላሉ፣ ካብ ዝነበሩ ሕፁያት ኣሉላ ሃይሉ ተመሪፁ፣ ነገር ግን ኣባል ብሄራዊ መሪሕነት ኮይኑ ክቕፅል ተገይሩ እዩ።

ብተወሳኺ እውን ካብ ምስረታ ኣትሒዙ ክፍልታት እናመርሑ ዝፀንሑ ካብ መስረቲ እቲ ውድብ ዝፅርሑ ኣይተ ዓብለሎም መለስ፥ ኣይተ ተስፋኣለም በርሀን ካሕሳይ ሃይሉን ብተመሳሳሊ መንገዲ ካብ ሕፁይነት ንርእሶም ኣግሊሎም፣ ኣባላት ብሄራዊ መሪሕነት ጥራሕ ኮይኖም ከም ዝቐፀሉ ኣይተ ኪሮስ ይገልፅ። ሓላፊ ክፍሊ ሕግን ኣባል ብሄራዊ መሪሕነትን እቲ ውድብ ኮይኑ ዝፀንሐ ኣይተ ተስፋኣለም በርሀ ድማ ብፍቓዱ ካብ ሓላፍነቱን ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓን ብምልቃቕ ብተራ ኣባል እቲ ውድብ ክቕፅል እዩ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ካብ ስሪት ብተወሳኺ ኣብ ፕሮግራም ምይይጥ ብምክያድ ምምስራት ሃገረ ትግራይ ሓደ ካብቶም ዓላማታቱ ገይሩ ከም ዘፅደቐ እውን ዕላዊ ኮይኑ እዩ። ስነ ሓሳብ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ዝኽተል ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ካብዚ ዝቕድሑ ቁጠባዊ፥ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ፖሊሲታት ኣብ ፕሮግራሙ ከም ዘስፈረ ብተደጋጋሚ ክገልፅ ከም ዝፀንሐ ዝፍለጥ እዩ።