ብተዋስኦታት ተዓጂቡ ዝተኻየደ መረጻ ኢትዮጵያ ንትግራይ እንታይ ፖለቲካዊ ትርጉም ይህልዎ?

ኣብ ውሽጢ ኣባል ውድባት ኢህወዴግ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳተንከባለለ ዝመጽአ ዘይምቅድዳው፡ ኣብይ ኣሕመድ ናብ መሪሕነት ምስመጽአ እቲ ጸገም ናብ ሰማይ ዓሪጉ እቲ ግንባር ክፈርስ ስለዝተገደደ ህወሓት ንገዛእ ርእሱ ካብቲ ውሁድ ፓርቲ ብልጽግና ኣግሊሉ።

ስለዝኾነ ድማ ክልቲኦም ውድባት ኣብ ዘራኽቦም ሃገራዊ ጉዳያት እንዳተራኸቡ ፍልልዮም ጸይሮም ንኽመርሑ ተሰማሚዖም’ኳ እንተነበሩ፡ ድሓረ ግን እቲ ፖለቲካዊ መገዲ ሓርፊፉ ነንሓድሕዶም ክፋጠጡን ብጎቦ ዓይኒ ክረአኣዩን ጀሚሮም። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግን ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ ይቐራረብ ምስ ምንባሩ ተዛሚዱ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ መላእ ዓለም ስለዘጋጠመ ‘እቲ መረጻ ይካየድ’ዶስ ይናዋሕ’ ዝብል ዓብይ መካትዒ ነጥቢ ተፈጢሩ።

ትግራይ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እንዳተኸላኸልኩ መንግስተይ ክመርጽ እየ ዝብል መርገጺ ሒዛ። ብኣንጻሩ ካብ ትግራይ ወጻኢ ዘለዉ ብናይ ብልጽግና ውድብ ዝምርሑ ኢትዮጵያውያን ድማ ተናዊሑ እንተካየድና ጸገም የብሉን ዝብል ቅዋም ሒዞም። ትግራይ ክመርጽ እየ ምባላ ስዒቡ ድማ ንዓመታት ሰብ ቆላሕ ኢሉዎ ዘይፈልጥ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ረብሓ ውዒሉ። ምሁራን ሕጊ ዓንቀጻት እቲ ሕገ መንግስቲ እናጣቐሱ ገሊኦም ትግራይ መረጻ ክተካይድ መሰል ኣለዋ ይብሉ ገሊኦም ድማ የብላን ክብሉ ተራእዮም።

ብናይ ኣብይ ኣሕመድ ጻዊዒት ናብ ኢትዮጵያ ኣትያ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ክትመርሕ ዝተሓረየት ብርትኳን ሚደቅሳ ነቲ ካብ መንግስቲ ትግራይ “መረጻ ስለእነካይድ ነቲ መረጻ ምርሑልና” ዝብል ጻዊዒት ነጺጋቶ። እዚ ውሳነ ካብታ ኣብ መራሕቲ ህወሓት ቂምታ ኣሕዲራ ዝጸንሐት ብርትኳን ሚዴቅሳ ትጽቢት ዝተገበረሉ እዩ ነይሩ።

ድሕሪ ብዙሕ ክትዓት ትግራይ መረጻ ናይ ምግባር መሰል ከምዘለዋ ተኣሚኑ ኣርባዕተ ውድባት ፖለቲካ ዝተሳተፋሉን ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ህዝቢ ዘድመጸሉ መረጻ ተኻይዱ። እንተኾነ ግን ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ድሮ መረጻ ትግራይ ናብ ቴሌቭዥን ተቐልቂሉ ነቲ ትግራይ እተካየዶ መረጻ ዘይሕጋዊ ናይ ጨረባ መረጻ ኢሉ ብምስያም ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ስጉምቲ ከምዝወስድን በዚ ድማ ኣደታትን ህጻናትን ክበኽዩ ምዃኖም ተሓንዩ ነበረ።

በዚ ዝተልዓለ መንግስቲ ፌድራል ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ትግራይ ኢደይ ከእቱ እየ ክብል ተራእዩ። እንተኾነ ግን ኣብቲ ሕገ-መንግስቲ ዓንቀጽ 62.9 ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን መንግስቲ ፌደራል ኣብ ሓደ ክልል ኢዱ ዘእትው እቲ ክልል ስርዓት ሕገ መንግስቲ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ እዩ ኢሉ እንትኣምን እዩ ይብል። ንምዃኑ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ክልላት ኢዱ ከእትው ዝኽእል ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት እዩ? እንታይ ዓይነት ተግባራት ከ እዮም ነቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕዎ?

ኣብዚ ጉዳይ ቅድም ኢሉ ንቢቢሲ ኣምሓርኛ ቃለ መሕትት ሂቡ ዝነበረ ምሁር ሕጊ፤ ኣቶ በሪሁ ተወልደብርሃን፡ “እቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዝበሃል ካብቲ ስሩዕ ስርዓት እቲ ዘይስሩዕ ስርዓት ዓብላሊ ኣብ ዝኾነሉ እዋን እዩ” ዝብል መብርሂ ምሃቡ ይዝከር።

ንምዃኑ ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ ስርዓትን ልኡላዊነትን ናይ ምዝራብ ሞራል ኣለዎ ድዩ?

ትግራይ ቅድሚ እቲ 8 ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊኣ ዝተኣወጀ ናይ መዝረ ኵናት እታ እንኮ ሰላማ ዘውሓሰት ክልል ከምዝነበረት ካልእ ተሪፉስ ባዕሉ ቀዳማይ ሚኒስረር ኣብይ ኣሕመድ’ውን ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ምስ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝነበሮ ኣኼባ መስኪሩ ነይሩ። እታ ንሱ ዝመርሓ ካብ ትግራይ ወጻእ ዝነበረት ኢትዮጵያ በብኸባቢኡ ብዝሸፈቱ ጉጅለታት እትናጋዕ ሰብ ዓይኑ እናረኣየ ኣብ ኣደባባይ ዝስቀለላ ሃገር እያ።

ካብ ናይ ምሁር ሕጊ ኣቶ በሪሁ ትንተና ተበጊስና እነተሪኢናዮ እታ ሰላማ ዘውሓሰት ትግራይ ኣሽንኳይ ዶ ኢድ ኣታውነት መንግስቲ ፌደራል ከድልያስ ንባዕሉ እቲ ብኣብይ ዝምራሕ ስርዓት መንግስቲ ፌደራል እዩ ድጋፍ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ክሓትት ዝግብኦ ነይሩ።

ብመንጽር ልኡላዊነት እንተሪኢና’ውን ዝመርሓ ሃገር ብመሓውር ድሕነት ኤርትራ ተወሪራ፡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንዝደለዮ ሰብ ዝቕንጽለላ መኼዳ ዓውዲ ጽጋበኛታት ኮይና ስሚ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ዝኾነትሉ እዋን ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኮነ ስርዓት ናይ ምኽባር ስጉምቲ ናይ ምዝራብ ሕጣጥ ሞራል ክህልዎ ኣይምኽኣለን።

እንተኾነ ግን ብየማነ ጸጋም ኣንጻር ትግራይ ማእለያ ዘይብሉ ጽልኢ ይስበኽ ስለዝነበረ ነዚኣ ከም ዕድል ወሲዱ ኣብይ ኣሕመድ ብልፍንቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኵናት ኣዊጁ ብሕጋዊ መገዲ ኣብ ግዚኡ ዝተመረጸ ሕጋዊ መንግስቲ ደፊኡ ባዕሉ ዘጣየሾ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ትግራይ ተኺሉ ይርከብ።

እቲ ብናይ ኮሮና ምኽንያት ኣመኻንዩ ዘናውሖ ድራማዊ መረጻ ዋላ እኳ ቆላሕታ ዓለም ለኻዊ ማሕበረሰብ ኣይርከብ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኣካይድዎ’ሎ።

ሃገራዊ መረጻ ዝተናውሐሉ ምኽንያት ናይ እማን ኮሮና ድዩ?

ኣኽሱማይት ሚድያ ብዛዕባ እቲ ካብ ክካየዶ ዝነበረ ሰደቓ ግዜ ንሓደ ዓመት ተናዊሑ ዝተኻየደ መረጻ ኣመልኪትና ምስ ሓደ ሽመይ ንዓኹም ዝበለና ፖለቲካ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብቐረባ ዝከታተል ሰብ ኣዘራሪብና ኣለና።

“ኮሮና ምኽንያት እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ከምቲ እንሪኦ ዘለና ንሽሙ ደኣ ኽታበት ተጀሚሩ ይበሃል እምበር በቲ ቫይረስ ይሞቱ ናይዘለው ሰባት ቑጽሪ ወሲኹ እምበር ኣይጎደለን። ብስሩ እውን ክሳብ ሐዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኾነ ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያ ክንደይ ህዝቢ ዝእከበሎም ምድላዋት ተኻይዶም? ብፍጹም ኮሮና ምኽንያት ኣይነበረን።

እቲ ቐንዲ ምኽንያት እኹል ግዜ መሸመቲ እዩ ነይሩ። ተናሓናሕቲ ውድባት ንምቕሃም፣ ተቐባልነት ዘለዎም ከም እኒ ጃዋር ዝበሉ ፖለቲከኛታት ብምእሳር ከምኒ ኢዜማ ዝበሉ ናይ ተቃወምቲ ዝመስሉ ገጸ ባህርታት ብምጽጋዕ ኣብቲ መረጻ ዓርሓ ንምዃን ግዜ የድልዮ ነይሩ። ኣብ ትግራይ ዝነበረ ነገር እውን ንሱ መፍትሒ ዝበሎ ነገር እናዳለወ ነይሩ። ብዓይኒ ወጻኢ እውን እንተኾነ ንመረጻ ክወጽእ ዝነበሮ  መግዝኢ መሳርሒ ክውዕል ተገይሩ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ነዊሕ ምድላው ዝተገበረሉ ምዃኑ እዩ ዘርእየና። ሐዚ እውን ልክዕ ከምቲ ኮሮና መረጻ ንምንዋሕ ምኽንያት ዝተገበረ መረጻ ትግራይ እውን ትግራይ ንምውራርን ንምጽናትን ከም ምኽንያት ዝቐረበ እዩ ነይሩ። ስለዚ ኩለመዳያዊ ምድላው ንምግባር ግዜ ንምሽማት እዩ እቲ መረጻ ተናዊሑ።

እቲ ካሊእ ውልቃዊ ባህሪ ኣብይ ኣሕመድ ክኸውን ይኽእል?! ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ምዃኑ ክሳብ ሐዚ እውን ዝኣመነ ኣይመስልን። ኩሉ ሻብ ኣብ ስልጣን ከምዘሎ ክስምዖ ዝገብር ነገር ይደሊ። እቲ መረጻ ናይ ምንዋሕ ስልጣን ከምዘለዎ እውን ከርእይ ይደሊ ይኸውን።

ተሳተፍቲ እቲ መረጻ እንመን እዮም? እንታይከ የመሳስሎም?

ፈለማ ህወሓት ጥራይ ይጥፈአልና እምበር ድላዩ ዓይነት ስርዓት እንተመጸ ዓይንና ከይሓሰና ክንቕበል ኢና ብዝመስል ስምዒት እተን ኣብ ሓጺር እዋን ዝተጫጭሓ ውድባት ኩለን ነቲ መርጻ ምሽብሻባት ገይረን። ኣብ ከይዲ ግን መንግስቲ ፌድራል ኣብ ከይዲ እቲ መረጻ ከጸግሙለይ እዮም ዝበሎምን ብህዝቢ ተቐባልነት ዘለዎም እዮም ዝበሎምን ዘስግእዎ ኣባላት ዝተፈላለያ ውድባት ክኣስርን ከቕትልን ጀሚሩ።

ኣብዚ ከይዲ ዝተፈላለያ ውድባት ንባዕለን ካብቲ መረጻ ኣግሊለን። ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ዘውጽኦም ኣሃዝ ከባቢ 38 ሚልዮን ህዝቢ ንክመረጽ ከምዝተመዝገበ ብልጽግና 2432 ሕጹያት ኢዜማ ድማ 1385 ሕጹያት ብምቕራብ ቀዳማይን ካልኣይን ብምዃን ብበዝሒ ሕጹያት ይመርሑ ኣለው።  እዚ ሰብ ዋና እቲ መረጻ በዓል መን ምዃኖምን በህጎም እንታይ ምዃኑን እዩ ዘርእይ። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዘሎ ኣፈላላይ እንታይ ምዃኑ እውን ግልጺ ኣይኮነን። ጸላኢ ጸላእየይ ፈታውየይ እዩ ብዝብል ንሽሙ ዘወዳደሩ ዘለዉ ብባህጊ ሓደ ዝኾኑ ውድባት እዮም።

እዚ መረጻ ካብ እዋን ጎስጓስ ምረጹኒ ጀሚሩ ብዙሓት ጉድለታትን ጥፍኣታትን ዝነበርዎ እዩ። ንኣብነት እንተወሲድና፡

ኣብ ምዕራብ ጎጃም መርዓዊ ኣብ ትበሃል  ከተማ ግንቦት 12/2013 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ጎስጓስ ምረጹንን ሰልፍን ህይወት ሰብ ከምዝጠፍአ፣ ናይ ኣካል ጉድኣት ከምዝገጠመን ኣብ ንብረት እውን ሓደጋ ከምዝሰዓበን ይዝከር። ኣብቲ እዋን

ድምጾም ብሰላማዊ መንገዲ እናስምዑ ኣብ ዝነበሩ ተምሃሮ ኣካላት ጸጥታ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ህይወት ሰብ ከምዝሓለፈን ኣካል ከምዝጎደለን ኣብን ዝተብሃለ ውድብ ገሊጹ ነይሩ። ብድሕሪኡ እውን እንተኾነ ኣብ እዋን ጎስጓ ምረጹኒ ዝተቐተሉን ዝተኣሰሩን ኣባላት ዝተፈላለያ ውድባት ከምዝነበሩ ዝፍለጥ እዩ።

ሓሙሽቲአን ካብቲ መረጻ ንባዕለን ዘግለላ ውድባት ማለት እውን ኣብን፣እናት ፓርቲ፥ ባልደራስ፣መኢኣድን ህብር ኢትዮጵያን ከይዲ እቲ መረጻ  ፍትሒ፣ሓቀኛ ዲሞክራስን ሰላምን ዝረሓቖ እዩ ክብላ እየን ገሊጸንኦ።  የኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ብወገኑ እቲ መረጻ ንከተሓባብሩ ካብ ዝተመረጹ 5 ኣባላቱ እቶም 4 ማለት እውን ጃዋር መሓመድ፣በቀለ ገርባ፣ ሃምዛ ኣዳነን ኣቶ ደጀኔ ጣፋን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብምህላዎምን ቤት ጽሕፈታቶም ክዕጸው ስለዝተገበረን እቲ ውድብ ካብቲ መረጻ ንባዕሉ ምግላሉ ገሊጹ እዩ።

ብናይ ብርትኳን መሪሕነት ዝካየድ ዘሎ መረጻ ምስ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣነጻጺሩ ሓሳቡ ንቢቢሲ ዘካፈለ ኣቦ መንበር ኦፌኮ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ብወገኑ፡ “ቅድሚ ሕጂ እኮ ናይ ሓሶት ናቑጣ መረጻ ሪኢና ኣይንፈልጥን። እዚ ኣብ በረኻታት ኦሮምያ ዝተፈጸመ ኣይኮነን፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዩ ተፈጺሙ። ሕጹያት ክልል ሶማሌ ኣብ ጅግጅጋ ክምዝገቡ ስለዘይከኣሉ’ዶ ኣይኮነን እዩ ኣዲስ ኣበባ ክምዝገቡ ዝተገደዱ። እቶም ናይ ቀደም ሰባት ይሰርቁ ነይሮም እንተኾነ ግን ናይ መረጻ ትርጉም ዝፈልጡ ሰባት እዮም ነይሮም”። ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ትግራይ ከቢድ ጥምየት ኣንጸላሊይዋ ህዝቢ ትግራይ  ምጽናት ዓሌት ይፍጸመሉ ኣብ ዘለሉ እዋን ዝተኻየደ ብድራማታት ዝተዓጀበ መረጻ ኢትዮጵያ ንትግራይ እንታይ ፖለቲካዊ ትርጉም ክህልዎ ይኽእል? ዝብል ሕቶ ንጋሻና ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣቕሪብናሉ እዚ ዝስዕብ ምላሽ ሂቡኣ።

“ገለ ሰባት ኣብይ ኣሕመድ ናብ ዘተ ንእተው ዶ ክብል ይኸውን ዝብል ሕቶ ከልዕሉ እሰምዕ እየ። እንተኾነ ካብ መፈለምትኡ ባህጊ ኣብይ ኣሕመድ ትግራይ ንምጭፍላቕ ስለዝኾነ ኣብቲ መረጻ ተዓዊተ እየ ምስበለ ድማ ደጊም ሌጂቲሜት መንግስቲ ስለዝኾንኩ ከም ድላየይ ሕጊ ከኽብር እየ ብምባል ሙሉእ ዓቕሙ ተጠቒሙ ነቲ ናይ ትግራይ ጨፍጫፍ ክቕጽለሉ ክፍትን እዩ።”

ንትግራይ እዚ መረጻ እዚ ሓደጋ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ንትግራይ ጥራይ እንተይኮነስ ዋላ ንኢትዮጵያ እውን ናብ ጥፋኣት ዘእትዋ እዩ። ድሕሪ እቲ መረጻ ነቶም ክሳብ ዝምረጽ ሓቢእዎም ዝጸንሐ ባህርታት ውልቀ መላኺ ኩለን ከውጽአን እዩ። እተን እቲ ጨፍጫፍ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ኣብ ትግራይ ዝውዳእ መሲልወን ዝነበረ ክልላት ሕቶታት ከልዕላ እየን እቲ ጫፍ ኣውጺኡ ዘሎ ቃልሲ ህዝቢ ኦሮሞ እውን ዝነትዕ እዩ ዝኸውን።

ኣብይ ኣሕመድ መሰረታዊ ባህሪኡ ውልቀ መላኽነት ስለዝኾነ ናብ ምቕታልን ምዕፋንን እዩ ክኣቱ። ነቲ ኣብ መንጎ ክልላት ክለዓል ዝኽእልን ዝለዓል ዘሎን ጎንጺ ድማ ይደልዮ እዩ። ፈላሊኻ ንምግዛእ ስለዝጥዕሞ። ስለዚ እዚ መረጻ መፈለምትኡ እውን ሕጋዊ ኣይኮነን መወዳእትኡ ድማ ሓደጋ ጥራይ እዩ።” ይብል። እቲ ሕገ መንግስታዊ መሰለይ ተጠቒመ መንግስተይ ከቕውም እየ ኢሉ መረጻ ዘካየደ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ሰፍ ዘይብል ግፍዓዊ ተግባራት ይፍጸሞ ስለዘሎ ናብ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ከቲቱ ትግራይ ካብ ወረርቲ ሓይልታት ሓራ ኣውጺኡ ዝመስሎ ፖለቲካዊ ውሳ ንኽውስን ዘኽእሎ ናይ ሞትን ሕየትን ቃልሲ ኣብ ምክያድ ይርከብ።