ኣብ ኣዲስ ኣዲስ ኣበባ በዓል ኢሬቻ እንትኽበር ተሳተፍቲ፡ ኣንፃር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕነዐ ሓያል ተቓዉሞ ኣስሚዖም።

በዓል ኢሬቻ 2014 ዓ/ም ኣብ ጎደናታት ፊንፊኔ እንትኽበር ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ተወልድቲ ብሄረ ኦሮሞ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣብዪ ዘቕነዐ ሓያል ሰለማዊ ሰልፊ ኣሳሊጦም።

ኣብቲ ክብረ በዓል ንምስታፍ ዝተኣኺኸቡ ኦሮምቶት ኣብዪ ኣሕመድ መራሕቲ ፖለቲከኛታት እሱራት ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኹነት ንኽፍትሑ ዝሓትት ተቓዉሞ ኣስሚዖም።

ካብቶም ዘስምዕዎም ድምፅታት እዉን “free Bekele gerba” በቀለ ገርባ ይፈታሕ፣ “free jewar mehoamaed” ጀዋር መሓመድ ይፈታሕ “down down Abeyi and Beltsegeina” ኣብዪ ኣሕመድን ብልፅግናን ይዉረዱ ዝብሉን ካልኦትን ይርከብዎም።

እቲ በዓል ናብ ተቓዉሞ ሰልፊ ኣብ ዝቐየሩ ገለ መናእሰያት ድማ ፖሊስ ጉድኣት ከምዝፈፀመን ቡዙሓት ዝተጎድኡ ተሳተፍቲ ከምዘለዉን ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ ፀብፃቡ ኣቃሊሑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ከምበዓል ፖለቲከኛ ጀዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ፖሎቲከኛታት ኦሮሞ ከምዝኣሰረ ዝፍለጥ እዩ።

በዓል ኢሬቻ ብተወለድቲ ብሄረ ኦሮሞ ናይ በዓላት ዋና በዓል ተባሂሉ ዝፍለጥን ናይ ምስጋናን መፃኢኦም ብሩኽ ተስፋ ዘተስፍዉሉን በቢዓመቱ ብድምቀት ዝኽበር ባህላዉን ሃይማኖታዉን በዓል ከምዝኾነ ይግለፅ።