ኣብ ትግራይ ንዘሎ ሰብ ሰራሕ ጥምየት ማሕበረሰብ ዓለም ህፁፅ ስጉምቲ ክወሰደሉ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ፀዊዖም

ሰራዊት ኢትዮጲያ፣ ኤርትራን ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኢምሓራን ኣብ ትግራይ ገበን ዘርኢ ምፅናት ካብ ዝጅምሩ ልዕሊ 331 ከቢድ መዓልታት ከምዝሓለፉ ማተሰኣ ኣብ ዘዉፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።

እቲ ናብ መሬት ትግራይ መፅዩ ኲናት ዝኸፈተ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትንና ሃፍትን ንብረት፣ ክብርታትን መለለይታትን ከምኡ እዉን ሓድግታትን ትግራይ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ገበን ከምዝፈፀሙ ዘዘኻኸረ መግለፂ ማተሰኣ እዞም ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ዝሓዝዎም ቦታታት ትግራይ ሐዚ እዉን ተመሳሳሊ ግፍዒ ይፍፅሙ ምህላዎም ገሊፁ።

ኣብ ትግራይ ካብ ዝተፈፀሙ ገበናት ወፃኢ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጲያ ዝነብሩ ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ እዉን ብትእዛዝ መንግስቲ ኢትዮጵያ መንነታዊ መጥቃዕቲ ይበፅሖም ከምዘሎን ክሳብ ሐዚ መፍትሒ ከምዘይተረኸበሉን እቲ መግለፂ ኣረዲኡ።

ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ሰብ ሰራሕ ጥምየት ድማ ዝኸፈአን ጊዜ ዘይህብን ምዃኑ ዝሓበረ መግለፂ ማተሰኣ ማሕበረሰብ ዓለም እኹል ኣቓልቦ ክህቦ ብምልባዉ ብምኽንያት መንግስቲ ኢትዮጲያ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ጥምየት ከምዘሎን ብሓፈሻ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ህፁፅ ረዲኤት ምግቢ ከምዝጠልብን ኣብሪሁ።

ማሕበር ማተሰኣ ተግባር መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣትሒዙ እናተቓወመ ምምፅኡን ብፍላይ ኣብዞም ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ድማ ብጥበቅን መሪሕ ኮይኑን እናተቓወመ ከምዝመፀ እቲ ማሕበር ኣብ ዘዉፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።