ህፃናት ከተማ መቐለ ምግቢ ስኢንና ክብሉ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ፅሕፈት ሑቡራት ሃገራት ሰልፊ ተቛውሞ ኣካይዶም

ኣብ ከተማ መቐለ ህፃዉንቲ መላእ ትግራይ፡ ኣብ ሓደጋ ጥምየት ወዲቓ ከምዘላ ብምግላፅ ማሕበረሰብ ዓለም ብህፁፅ ይብፀሐልና ክብሉ ብቋንቋ ኢንግሊዘኛ ድምፆም ኣስሚዖም።

እቶም ህፃናት ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ኣፍ ደገ ቤት ፅሕፈት ሑቡራት ሃገራት ብምኻድ እቲ ዘሎ ሓደጋ ጥምየትን ህልዉና ህዝብን ከምዘተሓሳስቦም ነዚ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ህፁፅ ስጉምቲ ንኽወስድን ዝፅውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ካብቶም ዘስምዕዎም ድምፅታት ዉሽጢ እዉን
“mother’s of tigray are dying” ኣዴታት ትግራይ ይሞታ ኣለዋ “we need food” ምግቢ የብልናን ” we need medication and hospitality” ኣቕርቦት ናዉቲ ሕክምናን ግልጋሎትን የድልየና እዩ ” we need action rightnow” ሐዚ ኢና ስጉምቲ ንደሊ ዝብሉን ካልኦትን ይርከብዎም።

እቶም ህፃናት ህዝቢ ትግራይ ብጥይትን ብስእነት ምግብን ክሳብ ዝመዉት ማሕበረሰብ ዓለም ሱቕ ኢሉ ክርኢ ከምዘይብሉ እዉን ገሊፆም።

ብተወሳኺ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እዉን ጠጠዉ ንኽብል ፀቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም ከምዘድሊ ኣብቲ ዘስምዕዎ ሰልፊ ኣተሓሳሲቦም።

ስለዝኾነ እዉን ድምፂ ተጋሩ ክስማዕ ኣለዎ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ሓገዝ ዓለማት ዘድልየና ሐዚ እዩ ክብሉ እውን ተማሕፂኖም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምኽልካሉ ልዕሊ 1 ሚሊዮን ህፃዉንቲ ብሰኣን ምግብን ስነ መዓዛን ኣብ ሓደጋ ከምዘለዉ ዝፍለጥ እዩ።

ህፃዉንቲን ተምሃሮን ትግራይ ካብ እዋን ኮረና ኣትሒዙ ካብ ፌደራል መንግስቲ ክረኽብዎ ዝግበኦም መሸፈኒ ኣፍ “ማስክ” ተኸልኪሎም፣ ፀኒሑ እዉን እቲ መንግስቲ ብምኽንያት ኲናት ምምሃር ምስትምሃር ደዉ ኣቢሎም ከምዝፀንሐ ይዝከር።