ቁጽሮም ዘይንዓቕ ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ኵናት ምኽንያት ንኣእምሮኣዊ ጸገም ከምዝተቓልዑ ተገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝኸፈቶ ኲናት ምኽንያት ብ ሚልዪናት ዝቑፀሩ ተጋሩ ኣብ ውሽጢ ዓድን ካብ ዓዲ ወፃኢ ድማ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም እዮም።

እዞም ስደተኛታት ብምኽንያት ዝበፅሖም ምንግልታዕን ብ ዓይኖም ዝረአይዎ መስካሕክሒ ፍፃመታትን ኣብ ከቢድ ኣእምሮኣዊ ፀገም ይርከቡ።

ነቲ ጥቅምቲ 10 ብ ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ዝኽበር መዓልቲ ጥዕና ኣእምሮ ምኽንያት ብምግባር ማዕኸን ዜና CGTN ኣብ ዝውፅኦ ፀብፃብ ኣብ ሱዳን ዑምራኩባ ምስ ዝርከብ ዳኒኤል ፃንሒት ገይሩ እዩ።

ዳኒኤል ነዚ ማዕኸን ዜና ከምዝሓበሮ፡”ኣብዚ መዕቆቢ ዝርከብ ዝበዝሕ መንእሰይ ህይወት ከቢድ እዩ። መብዛሕቱኡ ናብ ወልፊ መዐወኒ እፃትን መስተን ኣትዩ እዩ። እዚ ን ዓኣቶም ሕማቕ እዩ። ዓርሶም ከጥፍኡ ዝፈትኑ እውን ኣለው። ኣነ ኲዕሶ ብምፅዋትን ክራር ንምፅዋትን እየ ኣእምሮይ ከዕርፎ ዝፅዕር።” ክብል ይገልፅ።

ልዕሊ 32 ሚልዮን ኣፍሪካውያን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝተመዛበሉ፣ ዕቑባ ዝሓቱ፣ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝነብሩን ተሰዲዶም ዝነብሩን እዪም። ካብዚኣቶም ድማ ዩጋንዳ፣ ሱዳንን ኢትዪጵያን ብቐዳምነት ይርከባ።

ኣብ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ መስካሕክሒ ጨፍጫፍ ኣእምሮ ብዙሓት ዘሕመመን ዘሕምምን ምዃኑ ሰብ ሞያ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ይሕብሩ።