እስራኤል፡ ሑሉፍ ታሪኻ ዘኪራ ንዂናት ትግራይ ክትቃወም ዝፅዉዕ ሰልፊ ተኻይዱ።

ነቲ ልዕሊ 11 ወርሒ ዘቑፀረ ኲናት ትግራይ ምንም ከምዘይተፈጠረ ንዘፅቀጠት እስራኤል ካብ ሑሉፍ ታሪኻ ክትመሃርን ነቲ ቅድሚ ዓመታት ኣብ ልዕሊ እስራኤላዉያነሰ ዝተፈጠረ ግፍዒ ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይፍጠር ከምዘሎን ነዚ ድማ ድምፂ ክትህብ ዝፅዉዕ ድምፂ ብተወለድቲ ትግራይ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

እቶም ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ተጋሩ ነበርቲ እስራኤል ኣብ መንበሪ ገዛ ቀ/ሚ እስራኤል ብምኻድ እስራኤል ንመንግስቲ ኢትዮጲያ እትገብሮ ዘላ ሓገዛትን ምሻጥ ኣፅዋራትን ደዉ ክተብልን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ክትሕግዝን ዝሓትት ደብዳቤን ድምፂ ተቓዉሞን ኣስሚዖም።

እቲ ሰልፊ ብባንዴራ ትግራይን ባንዴራ እስራኤልን ዝተፈላለዩ ፅሑፋት ዝሓዙ ባነራትን ብምዝርጋሕ እቶም ሰልፈኛታት ኢዶም ንላዕሊ ኣጣሚሮም ህዝብና ይጠሚ ኣሎ ; ደሃይ ወለድና ስኢና ; እስራኤል ሑሉፍ ታሪኻ ትዘክር ; እስራኤል ንመንግስቲ ኢትዮጲያ ሓገዝ ምግባር ደዉ ተብል ዝብሉን ካልኦትን ድምፅታት ኣብ ኣፍደገ መንበሪ ገዛ እቲ ቀ/ሚ እስራኤል ኣስሚዖም።

ብተወሳኺ እቲ ተቓዉሞ ድምፂ ብቛንቋ ኢንግልዘኛ ; ትግርኛን ቋንቋ ናይቲ ዓድን ብምጥቃም በቢሓደ እናወፁ ስቓይ ህዝቦም ንኸብቅዕ ሓገዝ እስራኤል ከምዘድሊ ብምልባዉ እቲ ሰልፊ ዕዉት ከምዝነበረን ካብቶም ተሳተፍቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ብተመሳሳሊ ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ዴንቨር ኮላራዶ ; ሎስ ኣንጀሎስን ዋሽንግተን ዲሲን ዝርከቡ ተጋሩ እዉን ብተመሳሳሊ ከምቲ ልሙድ ነቲ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ኲናት ትግራይ ሒዝዎ ዘሎ ቅዋም ብስጉምቲ ንኽዛዝሞ ዝሓትት ድምፂ ተቓዉሞ ኢስሚዖም እዮም።

ንማሕበረሰብ ዓለም ድማ ህዝቢ ትግራይ ብሰብ ሰራሕ ጥምየት መዓልታዊ ህፃናትን ዓበይትን ወገናት ይሞቱ ብምህላዎም ነዚ ጠጠዉ ዘብል ድምፂ ከስምዑን ፅዕንቶ ክፈጥሩን እቶም ተጋሩ ኣብ ዘስምዕዎ ድምፂ ተላብዮም።

ኣብ ከተማ ስቶክሆልም እዉን ብተመሳሳሊ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ብጆኖሳይድ ክፅዋዕን ሕብረት ኣዉሮፓ እቲ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ናብ ስጉምቲ ዘዉስድ ዉሳነ ከመሓላልፍን ዝፀሰዉዕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ እዩ።

ትማሊ ዕለት ኣብ ጀርመን ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ እታ ከተማ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ እዉን ቡዙሓት ተጋሩን ወፃእተኛታትን ዝተሳተፍሉ እንትኾን ካብቶም ወፃእተኛታት ተሳተፍቲ ሓንቲ ዝኾነት ንቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ከም እትድግፍን እቲ ዘሎ ዕፅዋን ጥምየትን ክሳብ ዝፍታሕ ብሓባር ክንቃለስ ኢና ክትብል ከምዝገለፀት ካብቲ ቦታ ዘብፁሑና ምንጭታት ኣረዲኦም።

ተጋሩ ዲያስፖራ ነዚ ሓደ ዓመት ክረግፅ ኢሉ ዘሎ ወራር ትግራይ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ምቅላዕን ወፅዓ ህዝቢ ትግራይ ጠጠዉ ንኽብልን ዘይሕለል ፃዕሪ እናርኣዩ መፅዮም እዮም።