ኣብ ትግራይ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ከምዝጅምር ተገሊፁ ።

ቅድም ክብል ብተለባዲ ሕማም ኮረና ስዒቡ ድማ ብምኽንያት ኲናት ንኽልተ ዓመት ዝኣክል ዝተቛረፀ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ትግራይ ንምጅማር ዘኽእሉ ባይታታት ከምዝተወገኑ ተወካሊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣይተ ሰይፈ ኣንበስ ንቴሌቭዥን ትግራይ ገሊፁ።

ፀላእቲ እግሮም ኣብ መሬት ትግራይ ምስ ኣዕረፉ ካብ ፍልጠት፣ ምህዞ፣ ቁጠባን ዕብየትን ዝረሓቐ ማሕበረሰብ ንምግባር ዓሊሞም ኣብ ትግራይ ዝርከባ ኣብያተ ቤት ትምህርትታት፣ ትካላት ጥዕናን ዓበይቲ ፋብሪካታት ሓዊሱ ከምዘዕነዉዎ ይፍለጥ።

እተን ንመምሃሪ ሓገዝ ዝዉዕላ ዝነበራ ተንቀሳቐስትን ቀወምትን ንብረታት ከም እኒ ‘ብላክቦርድ ; ፕላዝማን ወንበራትን ቤተ መዛግብትን ሓዊሱ ተጋሩ ተምሃሮ ንኽይመሃርሉ ብምሕሳብ ኣዕንዮሞ ኣቃፂሎሞ ወይ ድማ ኣፀየፍቲ ፅሑፋት ኣንቢሮምሉ እዮም።

ኣይተ ሰይፈ ከምዝበሎ እቲ ዝሓለፈ ጊዚያት ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምክሕሓስ ቀዳም ከም መዓልቲ ስራሕ ብምዉሳድን ወቕቲ ክረምቲ ሓዊሱን እቲ ከይዲ ትምህርቲ ከምዝሳለጥ ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ ካብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ተሰዲዶም ዘለዉ ተምሃሮ ብሰንኪ እቲ ኲናት መረዳእታ ትምህርቶም ከምዘይብሎም ብምሕባር ነዚ ንምስትኽኻል ድማ እቲ ብቓሎም ዝሓዝዎ ደረጃን መረዳእታን ተጠቒምካ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንኽፅምበሩ ከምዝግበር እዉን ኣፍሊጡ።

ስለዝኾነ እዉን በቢኸባቢኡ ዘለዋ ኣብያተ ትምህርትታት ነቲ ዝወፀ ሕጊ ብዝግባእ ተገንዚበን ነቲ መስርሕ ክኽተላ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

መንግስቲ ፌደራል ንተምሃሮ ትግራይ ካብ ካልኦት ክልላት ብዝተፈለየ መንገዲ ቅድሚ ኲናት ኣትሒዙ ከም ሓደ መሳርሒ ፖለቲካ ብምጥቃም ክበፅሖም ዝግባእ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ካልኦት ቁሳቑስን ከልኪሉ ምንባሩ ይፍለጥ።