ኣብ ትግራይ ካብ ዝነበረ 17 ሚልዮን ሃፍቲ እንስሳ እቲ 75 ሚእታዊ ብወረርቲ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምብራሱ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ቢሮ ሕርሻን ገጠር ልምዓትን ትግራይ፡ ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ ብምድራኽ ኣብ ዘሰናድኦ ቀዳማይ ብርኪ ፀብፃብ ልዕሊ 12.7 ሚልዮን ሃፍቲ እንስሳት ብወተሃደራት ኢትዮጵያ፣ ስሩዕን ዘይስሩዕን ዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ከምዝዓነወ ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ቢሮ ኣይተ ሚኪኤለ ምሩፅ ኣብሪሁ።

እቲ ዕንወት ካብ ጥሪት ወልቀ ሓረስታይ ክሳብ ኣብ ምርባሕ እንስሳ ዝተዋፈሩ ኢንቨስተራት ዘጠቓለለ እዩ።

ኣይተ ሚኪኤለ “እቲ ኣብ ሃፍቲ እንስሳ ትግራይ ዝተገበረ ዝምታን ዕንወትን ኮነ ተባሂሉ ቁጠባ ትግራይ ብምድቋስ ህዝቢ ትግራይ ንምምብርካኽ ዝዓለመ እዩ” ክብል ገሊፁ።

እቲ ዝምታን ዕንወትን ኣብ ልዕሊ ኩሉ ትግራዋይ ብዘይኣፈላላይ ብምፍፃሙ ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ትግራይ ኣይተ ሚኪኤለ ምሩፅ “ኣብ ሕሊና ሓረስታይ ትግራይ ሞራላዊ ስብራት ንምፍጣር ኣብዑሩ ኣብ ቅድሚኡ ብዘይንቡር መንገዲ ምሕራድ፣ ኣላሕም ኣውዲቕካ ሓደ እግሪ ስጋ ምውሳድ፣ እንስሳት ምቅፃልን ካልኦት ብማሕበረሰብና ከምነውሪ ዝውሰዱ ተግባራት ፈፂሞም እዮም” ኢሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ ሓረስታይ ትግራይ መሬቱ ከየለሳልስ ምሽቑራር፣ ክሓርስ ዝተረኸበ ምቕታል፣ ኣብዑሩ ምኽታር፣ ናውቲ ሕርሻ ምስባርን ምቅፃልን እውን መዓልታዊ ተግባር እዞም ወረርቲ ሓይልታት ምንባሩ ኣፍሊጡ።

ስነ-ልቦና ሓረስታይ ብምጉዳእ ዓርሱ ካብ ምልካውያንን ፋሽሽታውያንን ወረርቲ ንምድሓን ዝገብሮ ቃልሲ ንምጉዕፃፅ ዝተገበረ ፈተነ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ዕንወት ዘስዐበ እኳ እንተኾነ ብዝተዋደደ ቅልፅም ተጋሩ ይብርዕን ምህላው እውን ገሊፁ።

ኣይተ ሚኪኤለ ምሩፅ ወሲኹ ብምኽንያት ብርሰት 75 ሚእታዊ ሃፍቲ እንስሳ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝወረደ ግፍዒ ኣብዚ ሐዚ እዋን እቲ ልዕሊ 1 ሚልዮን ህዝቢ ኣብቲ ናይ መወዳእታ 5ይ ብርኪ ምሒር ጥሜትን ዓፀቦን ምምዳቡ ፀብፃብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብምጥቃስ ተዛሪቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሐዚውን እቲ ጥሜት ከምመሳርሒ ኲናት ናይ ምጥቃም ዕላምኡ ኣጠናኺሩ ብምቕፃል መላእ ህዝቢ ትግራይ ንኩለመዳይ ዕፅዋ፣ ጥሜትን ሞትን ክቃላዕ ብምግባር ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ገበን ከም ኡ እውን ምፅናት ዘርኢ ይፍፅም ምህላው እውን ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ቢሮ ኣይተ ሚኪኤለ ምሩፅ ጠቒሱ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝወረደ ኲናትን ዕፅዋን 6.3 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መፍረያይነት ናብ ጥሜትን ዓፀቦን ምውራዱ ካብዚ እቲ 2.2 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ቤት ንብረቱ ዝተፈናቐለ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።