መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ኣብ መቐለ ብዘካየዶ ደብዳብ ነፈርቲ ሰለስተ ሰለማውያን ሰባት ሞይቶም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ቀትሪ ኣብ ከተማ መቐለ ከባቢ ዕዳጋ ዓዲ ሓቕን መሰቦ ስሚንቶ ፋብሪካን ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዱ።

ሰራዊት ትግራይ ብፅቡቕ ዓወት ናብ ከተማ ደሴን ከባቢኣን ምፅግዑን ዝተፈላለያ ከተማታት ኣምሓራ ምቁፅፃሩን ስዒቡ ተስፋ ዝቖረፀ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኲናት ኮነ ስራዊት ናብ ዘይብሉን ሲቪልያን ናብ ዝነብሩሉን ከባቢ ነፈርቲ ውግእ ብምስዳድ ደብዳባት ከምዘኻየደ ምንጭታትና ካብ መቐለ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ሓደ ዓመት ከቑፅር መዓልትታት ዝተረፎ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ኲናታት ስዕረት እንትገጥሞ ዓንፆ ዓንፆ ኣብ ዘይተዓጠቑ ሲቪልያን ጉድኣት ከምዘብፅሕ ብተደጋጋሚ ዝተርአየ ተግባር እዩ።

ሰራዊት ትግራይ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ሓራ ኣውፂኡ ከተማ መቐለ ድሕሪ ምቁፅፃሩ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ተጋሩ ብ ኣልማሚት ምእሳር፣ ናይ ንግዲ ትካላቶም ምዕፃውን ምግፋዕን ክፍፅም ፀኒሑ እዩ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንዝነብሩ ተጋሩ ኣብ መዳጎኒ ማእኸላት ብምእሳር፣ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣውፂእኻ ብምርሻንን ሬስኦም ናብ ሩባ ክድርበ ብምግባርን ኣብ ኲናት ዝሰኣኖ ዓወት ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ወገናት ክፈድዮ ፀኒሑ እዩ።

ኣብቲ ሎሚ ቀትሪ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተገበረ ደብዳብ ህይወት ሰለስተ ሰለማውያን ሰባት ከምዝጠፍአን ከቢድ ጉድኣት ከምዘውረደን ተፈሊጡ ኣሎ።