ቡዙሓት ተጋሩ ኣብ ውራያቶም ንባንዴራ ኢትዮጲያ ብምንፃግ፡ ባንዴራ ትግራይ ከምበልብሉ ይረኣዩ።

ኢትዮጲያ ምስ ካልኦት ሃገራት ተዛርያ ኣብ 21 ክ/ዘመን ኣብ ወገነይ ንእትብሎ ህዝቢ ትግራይ ዘብፀሐቶ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ገበናት ኲናት ብርክት ዝበሉ ስነ ጥበባዉያን ስፖርተኛታት ሙሁራንን ብሄረ ተጋሩ፡ ባንዴራ ኢትዮጲያ ብምንፃግ ነታ ናይ ገዛእ ርእሶም ዝዉንንዋን ዝብህግዋን ባንዴራ ትግራይ ሒዞም ኣብ ቡዙሓት መድረኽ ተዓዚብና ኢና።

ማስተር ሄኖክ ገ/ማርያም ይበሃል፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ “Washington governor cup world tekwando shanpionship” ኣብ ዝተወዳደረሉ እዋን ብዘምፀኦ ፀብለልታ ተጠቒሙ ባንዴራ ትግራይ ሒዙ ብምዉፃእ ኣብ ከባቢኡ ንዝነበሩ ወፃእተኛታት ብዛዕባ ጉዳይ ትግራይ ግንዛበ ከምዝፈጠረሎም ይዛረብ።

ማስተር ሄኖክ ምስ ኣኽሱማይት ሚድያ ኣብ ዝገበሮ ፃንሒት ነቲ ኣብ ክልተ ቦታ ተወዳዲሩ ዝረኸቦ ሽልማት ወርቂ መዘከርትኡ ንሰራዊት ትግራይ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

እዚ ዉድድር “ኮነ ኢለ እየ ኣትየዮ ነቶም ኣብ ሜዳ ዘለዉ መሓዙተይን ተምሃሮይን ናእዳይን ምስጋናይን መግለፂ ንኽኾነኒ እየ ተወዳዲረ ከምዝሓሰብክዎ ድማ ነቲ ዉድድር ብቐዳማይ ብርኪ ወፅየዮ” ይብል።

ብተወሳኺ በቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕፅዋ ኩሉ ጊዜ ከምዘሻቕሎን ደሃይ ቤተሰቡ ዘይምርካቡን ብሓፈሻ ስቓይ ህዝቢ ትግራይ ከምዘሻቕሎን ነቶም ናይ ሙያ መሓዙቱ ከመዘካፍሎምን ንሱ ድማ ኣብ ደገ ኣብዝግበሩ ሰልፍታት ከምዞሳተፍን ገሊፁ።

ማስተር ሄኖክ ሐዚ እዉን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእን ብፍላይ ዲያስፖራ ትግራይ ከምቲ ናይ ፈለማታት እዋን ቃልሶም ከሐይሉ ከምዝግባእን ተዛሪቡ።

ስለዝኾነ እዉን ኣነ ኣብ ዝወፀሎም መድረኻት ባንዴራ ትግራይ ብምሓዝን ኩነታት ህዝበይ ኣብ ሓደጋ ከምዘሎን ምግላፀይ ክቕፅል እየ ክብል ኣረዲኡ።

ብተመሳሳሊ ኣርቲስት ኣለም ተኽሉ በዓልቲ ሞያ ቅርፃቅርፅን ስራሕቲ ቅብኢን እንትትኾን ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኣድሂባ ዝተፈላለዩ ግንዛበ ኣብ ምፍጣር ትንቅሳቐስ ዘላ ትግራወይቲ እያ።

ካብቶም ስራሕታ ዉሽጢ ድማ ካብ ዝተደፈራ ደቂ ኣነስትዮ ኣትሒዛ ክሳብ ጥምየት ወገናት ዝገልፁ ስራሕቲ ቅብኢን ብምድላዉ ማእኸል ኤግዝብሽን ከፊታ ዝተፈላለዩ መደባት ዘቕረበት ኣርቲስት እያ።

ኣለም ሓደ እዋን ኣብ ዘዳለወቶ መደብ ኣብ ዘስመዐቶ መደረ እተን ብምስሊ ዝሰኣለተን ዝተደፈራ ደቂ ኣነስትዮ ኣሕዋታ ብካልኦት ተወለድቲ ኢትዮጲያ እዚ ጌጋ እዩ ከምኡ ኣይተፈጠረን ዝብሉን ካልኦት ነቶም ስራሕታ ዘዳኽሙን ሓሳባት ትወሃብ ከምዝነበረት ተዛሪባ።

ኮይኑ ግና ንሳ በቲ ካልኦት ዝብልዋ ግጉይ መረዳእታ ከይተድሃለት ስራሕቲ ጥበባታ ከምዝቐፀለት ብኡ ድማ ሕጉስቲ ከምዝኾነት ትዛረብ።

ካሊእ ኣርቲስት ኣለም ተኽሉ ኣብ ጣልያን ሮማ ሓደ እዋን ኣብ ዘዳለወቶ ምርኢት ነቲ ትግራይ ዝበፀሓ ኩለመዳያዊ ሕሰም ስምዒታ ንምግላፅ ኣብ ማእኸል እቶም ዕዱማት ወፃእተኛታትን ተጋሩን ጨጉራ ሙሉእ ብሙሉእ ብምልፃይ ትግራይ ብፀላእቲ ልክዕ ከምቲ ተላፅዩ ጥርሑ ዝተረፈ ርእሳ ከምዝቐረየት ገይራ ተዋስኦ ኣቕሪባ እያ።

ነዚ ስዒቡ እዉን እቲ ኣብኡ ዝነበረ ተዓዛባይ ብግርምትን ሓዘንን እንትዕዘብ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ማዕረ ክንደይ ከቢድ ከምዝኾነ ግንዛበ ንምርካብ ክኢሉ እዩ።

ብርክት ዝበሉ ብብርኪ ዓለም ኣብ ስነ ጥበብ፣ ስፖርትን ተምሃሮን ካልኦት ንጥፈታትን ኣብ ዝሳተፉ ተጋሩ ስቓይ ዓዶምን ህዝቦምን ብዝረኸብዎ ኣጋጣሚ እንተቃልዑ ይርኣዩ።