ህዝቢ ትግራይ ገጢምዎ ዘሎ ጸገም ብዘይካ ወታደራዊ ዓወት ካልእ መፍትሒ ከምዘይብሉ ፕረዚደንት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፁ።

ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሎሚ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ መልእኽቲ ‘’ሕዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ እንኮ ኣማራፂ እዚ ናይ ሰላም እማመ ዝረገፀ ፋሽሽት ጉጅለ ብምድምሳስ ህዝባዊ መኸተና ብዓወት ክዛዘም ምግባር ጥራሕ እዩ’’ ክብል ገሊፁ።

ተስፋ ሰላማዊ ምይይጥ ከምዘየለ ዘመላኸተ መልእኽቲ ፕሬዚዳንት ዶ/ር ደብረፅዮን ህዝቢ መዓንጥኡ ሸጥ ኣቢሉ ወታደራዊ ዓወት ከምፅእ ፀዊዑ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዓቕሚ ምፍፃም ወረርቲ ሓይልታት መሬት ከምዝዘበጠ ዝጠቐሰ መልእኽቲ ዶ/ር ደብረፅዮን፣ ብኣንፃሩ ድማ ዓቕሚ ምፍፃም ህዝባዊ ሰራዊት ትግራይ ኣዝዩ ዝበረኸሉን ትግራይ ዳግም ከይትድፈር ዘኽእል ጭቡጥ ዓቕሚ ከምዘለዎን ፈታውን ጸላእን ክፈልጦ ይግባእ ክብል ይእውጅ።

ትድፈር ናብ ዘይትኽእለሉ ብርኪ ንምስግጋር ዘኽእል ጭቡጥ ተኽእሎ ከምዘለና ንፈታውን ፀላእን ክነፍልጥ ንደሊ፣ ስለዝኾነ ሕዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ እንኮ ኣማራፂ እዚ ናይ ሰላም እማመ ዝረገፀ ፋሽሽት ጉጅለ ብምድምሳስ ህዝባዊ መኸተና ብዓወት ክዛዘም ምግባር ጥራሕ ምዃኑ ተፈሊጡ፣ ነብሲ ወከፍ ትግራዋይ ዜግነታዊ ግብኡ ክፍፀም ይፅውዕ።

መንግስቲ ትግራይ ቅድመ ኹነት ብምቕማጥ ንምይይጥ ሰላም ክቕመጥ ድልዊ እየ ክብል ዝጸንሐ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ ሕዚ ግን ንሰላም ቅሩብ ዝኾነ ሓይሊ ስለዘይረኸብኩ እንኮ መማረፅየይ ተዋጊዕካ ምስዓር እዩ እናበለ ይርከብ። ነዙይ ድማ ህዝባዊ ድጋፍ ከይፍለዮ መልእኽቲ ዶ/ር ደብረፅዮን ይላቦ።

ፕሬዚደንት ዶ/ር ደብረፅዮን ብዝሓለፈ ሰሉስ እቲ ዂናት ናብ ናይ መጨረሻ ምዕራፍ ምብፅሑ ገሊፁ ምንባሩ ይዝከር።