ጸጸኒሖም ከም ነታጕ ዝፍንጀሩ ግጉያት ተረኻት ንህዝቢ ትግራይ የድምይዋ’ለዉ።

እቲ ቅሉዕ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ካብ ዝእወጅ ጀሚሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፡ “ህወሓት ን እዚ ሰሜን ስለ ዘተጠቅዐ ኢና ናብ ኲናት ኣቲና” ዝብል ተረኽ ብምፍጣር ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ክጥቀመሉ ፀኒሑ እዩ። ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ድማ  እታ ኲናት ዝጀመረትላ መዓልቲ ንዘክር ብዝብል ምኽንያት “ኣባላት እዚ ሰሜን ብግፍዒ ዝተጠቕዑሉ ዕለት” እናበሉ ብምውዕዋዕ እቲ ዘይሓቃዊ ተረኽ እናቐፀሉሉ ይርከቡ።

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ማሕበራዊ መሰረተይ የእምነለይ እዩ ዝበሎን ህዝቢ ንምልዕዓል ይጠቕመኒ እዩ ዝበሎን ሜላ እዩ ተጠቒሙ። ኣብታ ዝፈጠራ ናይ ሕሶት ተረኽ ሽኺሉ ድማ ንህዝብን መራሕትን ትግራይ ከም ከሓድቲ ክስእልን ክኸስስን ጀሚሩ።

እዚ ሰሜን እዝ ስለዝተጠቕዐ ዝብል ተረክን ክስን ትግራይ እያ እቲ ኲናት ጀሚራቶ ዝብል መልእኽቲ እውን ዝሓዘለ እንትኾን ሰራዊት እዝ ሰሜን ድማ ኣብ ልምዓት ትግራይ ዝሳተፍ ዝነበረ፣ ንሓረስቶት ኣብ ፃሕያይ ዝሕግዝ፣ ኣብ ቤት ትምህርትታት ከይተረፈ ዘምህር፣ ሓላይን ፈታዊ ህዝቢ ትግራይን ተገይሩ ክቐርብ እዩ ተገይሩ።

ቀፂሉ ድማ ተጋዳላይ ሴኮ ቱሬ ዝተዛረቦ ዘረባ ብምዝባዕን ካብ ዓውዲ ወፃኢ ብምትርጓምን  እዝ ሰሜን ብምጥቃዕ እቲ ኲናት ንሕና ኢና ጀሚርናዮ ኢሉ ኣሚኑ እዩ ብምባል ንናይ ባዕሎም ተረኽ ተወሳኺ ናይ ሕሶት መረዳእታ ፈጢሮሙሉ።

ብወገን ትግራይ ንምንታይ እዚ ተረክ እዚ ክዕረ ዘይተገበረ?

ሓደ ህዝቢ ናይ ባዕሉ ክብርታትን ፀጋታትን ኣለውዎ። እዞም ክብርታት ብብርኪ ውልቀ ሰብ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝፈላለዩ ዋላ’ኳ እንተኾኑ ከም ህዝቢ ሓባራዊ ባህርታትን ኣብ መራሕቱ እውን ዝንፀባረቑን እዮም።  ን ኣብነት ከም ህዝቢ ምርሳዕን ምሕዳግን ባህሪ ተጋሩ እዩ። ተጋሩ ሕሉፍ ታሪኽ ክዝክርዎ ኾነ ሕኒን ከብሎም ኣይረአይን። እቲ ናይ ዘይ ምስናድ ፀገም እውን ካብዚ ባህሪ እዚ ዝብገስ ይኸውን። ቂም ናብ ወለዶ ክሓልፍ የብሉን ዝብል እምነት ኣብ መብዛሕቲኡ ትግራዋይ ዝረአ ባህሪ እዩ ። እንተኾነ ቂም ሒዝካ ሕነ ንምፍዳይ ምልዓልን ናብ ተመሳሳሊ ህልቂትን ጨፍጫፍን ንዘይምእታው ትምህርቲ ንምውሳድ ታሪኽ ምስናድን ምዝካርን ዝተፈላለዩ ነገራት ምዃኖም ቀልቢ ዝተውሃቦ ኣይመስልን።

እቲ ካሊእ ካብ ክብርታትን ባህልን እቲ ማሕበረሰብ ዝቕዳሕ ብምስላታቱ እውን ኣቢሉ ዝገልፆም “ሓቂ ሒዝካ ኣብ መንገዲ ደቅስ፣ ፈትሊ ሓቂ ትምንምን እምበር ኣይትብጠስን” ወዘተ ዝብሉ ኣበሃህላታቱ ተግባራዊ ዝገብሮም ምዃኑ እዩ። እቲ ሓቂ ንሕና ንፈልጦ ኢና ንዝኾነ ሰብ ናይ ምርዳእ ግዴታ የብልናን ዝብል ድርቅና ዝወለዶም ጌጋታት ኣለዉ። ጉዳይ ሰሜን እዝ እውን እንተኾነ ብስርዓት ተሓሲቡሉን መደብ ተታሒዙሉን እቲ ኲናት ንምንታይን ብኸመይን ከም ዝተጀመረ ንምርዳእ ዝተገበረ ፃዕሪ የለን። እቲ ሓቃዊ መበገሲ እቲ ኲናት ምስ ሕሉፍ ታሪኽ ብምትእስሳርን ብውሑዱ ንሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝነበረ ዘይቅሉዕ ኲናትን ብዝርዝር ዘብረሀን ዘረደአን ኣካል ኣይነበረን።

ኢትዮጵያ ኣብ እትበሃል ቀዲምኻ ናይ ባዕልኻ ተረኽ ብምፍጣር ሽም እትረኽበላን ናይ ሕሶት ታሪኻትን ነበረያ ነበረን ብመፃሕፍቲ መልክዑ ተሓቲሙ ንወለዶታት ኣብ ዝሓልፈላ ዓዲ ሓቂ ስለዝሓዝኩ ኢልካ ምፅቃጥ ዘኽፍሎ ዋጋ ብዙሕ እዩ። ዘረባ ዘይኮነስ ተግባር እዩ ዝረአ ብምባል ሽም ሓደ ህዝብን መራሕቱን ኣብ ታሪኽ ፀለሎ እንትልከ ኣበይ ከይበፅሕ ብዝብል ንዕቐት ምሕላፍ ሳዕቤኑ ናብ ወለዶታት ዝሰግር እዩ ዝኸውን።

እቲ ካሊእ ክንፅር ዝነበሮ ጉዳይ ድማ “ቃልስና ህዝባዊ ዝብል ኣበሃህላ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዋእሉ ኣብ ዘካየዶም ገድልታት እቲ ቃልሲ ህዝባዊ እዩ። ከም ህዝቢ ክጭፍጭፍዎ ንዝመፁ ወረርቲ ሓቢሩን ሰሚሩን ይቃለሶም። ህዝባዊ ኲናት እንትበሃል ድማ ህዝቢ ዝኣመነሉ ዕላማ ሒዝካ ኣብ መንጎ መራሕትን ህዝብን ምትእምማን ብምፍጣር ኣብ ኩሉ ዓውዲ ብእትኽእሎ ነቲ ቃልሲ ኣበርክቶ ምግባር እዩ። ኣብ ሕሉፍ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ መናእሰይ ዓጢቖም እንትቃለሱ ዓበይቲ ወለዲ ድማ ሽግ ወየንቲ ብምዃን ነቲ ቃልሲ ይድግፉ ነይሮም። ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ብወገኖም ገንዘብ ብምትእኽኻብ ኮነ ነቲ ቃልሲ ዝድግፉ ነገራት ብምግባር እቲ ቃልሲ ንክዕወት ዝኽእልዎ ኩሉ ኣበርኪቶም። ኪነት ኣብ ሕሉፍ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኮነ ኣብ ናይ ሎሚ ገድሊ ሓደ መቃለሲ መንገዲ ኮይኑ የገልግል። ገባራት መንገዲ ብምምራሕ፣ ከባቢኦም ብምፅናዕ ፀላኢ እንትመፅእ መልእኽቲ ብምሕላፍ ከካብ ሓደ ገዛ ክልተ ሰለስተ ደቆም መሪቖም ብምስዳድ ነቲ ቃልሲ ይድግፉ። እቲ ዕላዊ ኲናት ግን ዝተዓጠቐን ዝሰልጠነን ተዋጋኣይ እዩ ዝሳተፈሉ።

እቲ ኲናት ምስተጀመረ ፕሬዝደት ትግራይ ዶክተር ደበረፅዮን ሓዊሱ ካልኦት ወታደራዊ መራሕቲ ” ህዝባዊ ኲናት ኢና እነካይድ።”  እንትብሉ ብወገን ምራሕትን ሊሂቃንን ኣምሓራ ህዝቢ ከም ህዝቢ ዘለዎ መሳርሒ ሒዙ ክዘምት እዩ ዝብል ትርጉም ፈጢሩ። ካብኡ ብምብጋስ ድማ ኣቕሽሽቲ መስቀልን ብረትን ሒዞም ይዋግኡና ኣለዉ፣ ኣዴታት እውን ዝረኸብኦ ነገር ሒዘን ናብ ኲናት ኣትየን እየን ፣ ህፃውንቲ እውን ኣብቲ ኲናት ተሳቲፎም እዮም። ዝብል ተረኽ ን ክፍጠርን ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቲ ንፁሃት ናይ ምቕታል ተግባሮም መመኻነይ ተጠቒሞሙሉ።

ሓይልታት ትግራይን ሓይልታት ህወሓትን

እቲ ካሊእ ንፅረት ዝጎድሎ ተረኽ ድማ ሰራዊት ትግራይ ብዓበይቲ ዓለም ለኻዊ ሚድያታት ከይተረፈ ሓይልታት ህወሓት እንትበሃል ቀልጢፉ ክዕረ ዘይምኽኣሉ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኣወጆ ኲናት ምፅናት ዓሌት ዝተወሰኑ መራሕቲ ንምሓዝ ከምዝኾነ ገይሩ ከቕርቦ ፀኒሑ። እቲ ኲናት ህዝቢ ትግራይ ንምፅናትን ትግራይ ንዝቕፅል 100 ዓመት ንድሕሪት ምምላስን ኮይኑ እናሃለወ መራሕቲ ህወሓት ናብ ሕጊ ንምቕራብ እዩ ብዝብል “ወፍሪ ምኽባር ሕጊ” እዩ ክብል ሰይምዎ። ኣብ ናይ ዓዲ ውሽጢ ኮነ ናይ ወፃኢ ሚድያታት ድማ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ህወሓትን ዝግበር ዘሎ ኲናት ተገይሩ ተገሊፁ።

ፖለቲካዊ መራሕቲ ትግራይ ኣብ ዝሃብዎም ቃለ ምልልሳት ነቶም ጋዜጠኛታት ክእርምዎም ኮነ ዕላዊ ዝኾነ መልሲ ክህቡሉ ኣይተሰምዑን። ሓይልታት ትግራይ ወይ ድማ Tigray diffence forces ዝብል ሽም ድሕሪ ግዜ ዝተፈጠረን ሐዚ እውን መሊኡ ዘይፀረየን እዩ።

ሰራዊት ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ዝኣተወሉ ምኽንያት

እዚ ዛዕባ ደሓር እናፀረየ ዝመፀ ጉዳይ እንተኾነ እውን ኣብቲ መጀመርታ እዋናት ግና ክንድቲ ዝግባእ ዘይትርሰርሓሉን ነቲ ሰራዊት ኽስን ፀለመን ዝተቓልዐሉን ዛዕባ እዩ።

ረድኤት መተሓላለፊ መንገድታት ዓፂኻ ሰብ ስራሕ ጥምየት ብምፍጣር ህዝቢ ብጥምየት ክፀንት ንምግባር ዝዓለመ ተግባር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፍትሐሉ ካሊእ ኣማራፂ ኣይነበረን። እንተኾነ ሰራዊት ትግራይ ገና ናብ ዓፋርን ክልል ኣምሓራን ኣብ ዝኣትወሉ እዋን ዕላምኡ እንታይ ምዃኑ ብግልፂ ስለዘየብርሀ ካብተን ክልላት ንክወፅእ ድፍኢት ክግበረሉን ከም ወረሪ ክቑፀርን እዩ ገይርዎ።

ትግራይ ስዒራ

ወተሃደራዊ ዓወት ንፖለቲካዊ ዓወት መገዲ ክፀርግ ከም ዝኽእል ምበር መሊኡ ከምዘየረጋግፅ ምሁራት ፖለቲካ ይገልፁ።  ቅድሚ ሐዚ ትግራይ ዝሓፈሰቶም ዓወታት እውን ዋላኳ ውሱን ፖለቲካዊ ዓወት እንተምፀኡ ከረጋግፁ ግና ኣይከኣለን። ትግራይ ነቲ ወታደራዊ ሓይሊ ብምስዓርን ሓርነታ ብምርግጋፅን ጥራይ ኣያ ዓወት እተረጋግፅ።

እቲ ዓወት ወታደራዊ ጥራይ እንተኾይኑ ድማ እቲ ካሊእ ህዝቢ ተሳዒረ ብዝብል መንፈስ ቂም ሒዙ ሕንኡ ዝፈድየሉ ዕድል ክፅበ እዩ ዝገብር። ምኽንያቱ ብፖለቲካ ስዒሩ ዕላምኡን ምኽንያቱን ዘየረድአ ህዝቢ ተመሊሱ ናብኡ ዝኣትወሉ ዕድል ሰፊሕ እዩ። ንምንታይ ከም ዝተቓለሰን ቀፃሊ ፖለቲካዊ ባህጉ ዘየነፀረን ህዝቢ ነቲ ዝቕፅል ወለዶ እውን ሓደጋ ኲናት ደጒሉሉ እዩ ዝሓልፍ።። እቲ ስዒርና ዝብል መንፈስ ድማ ንብዙሕ እዋን እናዘናግዐን ምፀላእቲ ንዳግማይ ወራር  ዝዳለዉሉ ዕድል እናፈጠረን እዩ ዝኸይድ።

ብዙሓት ምሁራትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን እውን እቲ ፀገም ትግራይ ወታደራዊ ዓወታት እምበር ፖለቲካዊ ዓወታት እናመዝገበት ዘይ ምንባራ ምዃኑ ይገልፁ።

ንኣብነት ኣብቲ ናይ 17 ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ እቲ ብህዝቢ ትግራይ ዝተረኸበ ዓወት ዓወት ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ዝኾነ ተሓሲቡ እቲ መሰረታዊ ናብ ጎንፂ ዘእተወ ምኽንያት ከይተፈትሐ ተሪፉ። ብሳዕቤኑ ድማ እቲ ቂም ሒዙ ሕነ ንምፍዳይ እንዳተሓነየ ዝነበረ ኣካል ግዜ ምስ ረኸበ ምስ ዝረኸቦ ዘራይ ኮይኑ ህዝቢ ይጭፍጭፍ ኣሎ።

እቲ ናብ ኲናትን ጎንፅን ዘእተወ ተረኽ ብምዕራይ ፖለቲካዊ ባህግን ህቃነን ዝተሓንገጠ ታሪክ ምስናድ የድሊ። ተረኽ ምዕራይን ታሪኽ ምስናድን ድማ ግድን ኣብ ሓደ ሃገር ንክትነብር ጥራይ ዝግበር ኣይኾነን። ምስ ሓደ ህዝቢ ብጉርብትና ንምንባር እውን ዝተዛብዑ ታሪኻት ሓቂ ኣይኾኑን ኢልካ ምምጓትን ምዕራይን ኣድላይ እዩ። ንቐፃሊ ንውሉድ ወለዶ ታሪኽ ንክኸውን እውን እቲ ተረኽ ክዕረ ኣለዎ።

ኣብ ታሪኽ ትግራይ መንደኾን ዝበሃል መራሒ እዩ፣ ሕማቕ ስርዓት ዝፈጠሮ እዩ፣ ፕሮፖጋንዳ እዩ እናተብሃለ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ከም ዓብይ ጉዳይ ተወሲዱ ክስነድ ኣይተገበረን።

ሐዚ እውን እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀመ ምፅናት ዓሌት ብዝርዝር ክስነድን እቶም ዝተዛብዑ ተረኻትን ክዕረዩ ይግባእ ። ትግራይ ድማ ወታደራዊ ጥራይ እንተይኮነስ ፖለቲካዊ ዓወታት እውን ኣረጋጊፃ ዳግም ናብ ስደት፣ ሞትን ህልቂትን ዘይትኣትወሉ ብርኪ ከይተረጋገፀ ስዒርና ኢና ተባሂሉ ዝሕለፍ ከይኸውን ምጥንቃቕ የድሊ። ካብ ሕሉፍ ታሪኽና እንመሃሮ እውን ትግራይ ወታደራዊ ዓወት ጥራይ እናተዓወተት ፍርቂ ዓወታት ተኽብር ምንባራ እዩ።