ሳፋሪ ኮም፡ ኣብ ኢትዮጲያ ብዘሎ ዕግርግርን ህዉከትን ሰራሕተኛታቱ ካብ ኢትዮጲያ ከምዘዉፀአ ተፈሊጡ።

ኩናት ብዝወለዶ ኣብ ኢትዮጲያ ዘሎ ህዉከትን ዕግርግርን ሙሉእ ግልጋሎቱ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ንምጅማር ትልሚ ሒዙ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ሳፋሪ ኮም ነቲ መስርሕ ትካል ከተዓናቕፍ እዩ ብምባል ሰራሕተኛታቱ ከም ዘዉፀአ Business Daily ዝተብሃለ ጋዜጣ ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ትግራይ ንዋና ከተማ ኢትዮጲያ ናብ ዝኾነት ኣዲስኣበባ እናተፀግዑ ብምምፅኦም ኣሜሪካ ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ሃገራት ብዘለወን ስግኣት ምኽንያት ሰራሕተኛታተን ካብቲ ዓዲ ከዉፅኣ ከምዝተገደዳ እቲ ፀብፃብ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ምስ ሰራዊት ትግራይ እናተዋገአ ከምዝፀነሐ ዝሓበረ እቲ ፀብፃብ ዝተፈላለያ ሃገራት ፃዉዒት ተኹሲ ደዉ ምባል ዋላ እኳ እንተገበራ ንሱ ግን እቲ ኩናት ከምዝቕጽሎ ጠቒሱ።

ገለ ስሞም ክጥቀሱ ዘይደልዩ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሳፋሪ ኮም ድሕንነት ሰራሕተኛታቶም ኣብ ፅቡቕ ከምዘሎን ኣባላትን ሰራሕተኛታትን እቲ ትካል ናብ ናይሮቢ ከምዝኣተዉ ንቢዝነስ ዴይሊ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጲያ ዘሎ ቅልዉላዉ ክጋደድ ከምዝኽእልን ናይ መራኸቢ ሜላታትን በረረታትን ክቋረፁ ከምዝኽእሉ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ድሕረ ገፁ ከምዘፍለጠ እቲ ፀብፃብ ኣዘኻኺሩ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብቶም መንግስታዊ ልምዓት ዝበሃሉ ሓደ ዝኾነ ኢትዮ ቴሌኮም ናብ ናይ ዉልቀ ሰብ ሃፍቲ ንኽዘዋወር ብምግባር ካብቶም ጨረታ ዝሰዓሩ ሹዱሽተ ትካላት ሓደ ሳፋሪ ኮም እንትኾን ሙሉእ ግልጋሎት ከይጀመረ ዝፀንሐ እንትኾን ምኽንያቱ ድማ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝተሓተቶ 500 ሚሊዮን ዶላር ብዘይምሃቡ እዩ።

ኢትዮ ቴሌኮም ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ይምራሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሰፊሕ ዝርግሐ መሰረተ ልምዓት ተኻይዱሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብቢልዮናት ዝቑጸር ሃብቲ ዝውንን ኮይኑ ኣብ ግዜ መሪሕነት ኣብይ ኣሕመድ ንውልቀ ኩባንያታት ኣክስዮን ሸይጡ ብዝተረኸበ ገንዘብ ኣብ ጽንነት ህዝቢ ትግራይ ይውዕል ከምዘሎ ይግለጽ።

ብኻልእ ኣዘራርባ ትግራይ ሰኣን ኣርሒቑ ዝእምት ውሕሉል ፖለቲካዊ መሪሕነት ንተደጋጋሚ ውድቀትን ዕንወትን ትዳረግ ከምዘላ ግዱሳት ተንተንቲ ፖለቲካ ትግራይ ይዛረቡ።