ኣብ ጉዳይ ትግራይ ግዱስ ዝኾነ ኣይተ ሳምሶን ተኽለሚካኤል ካብ ዝጭወ ንድሓር ድሃዩ ከምዘይተረኸበ በዓልቲ ቤቱ ገሊጻ።

ኣይተ ሳምሶን ኣብ ከተማ ናይሮቢ ክሌሌሽዋ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ኣብ ማእኸል ትራፊክ ጠጠዉ ኢላ ካብ ዝነበረት መኪንኡ ብምትሕብባር ክዳን ትራፊክ ፖሊስ ዝተኸደነ ውልቀ ሰብ ስቪል ብዝተኸደኑ ብቑፅሪ ልዕሊ ኣርባዕተ ዝኾኑ ሰባት ብሓይሊ እናተደፈአ ክወፅእ ዘርኢ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተወዚዑ ቀንዩ እዩ።

ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክጋዋሕ ዝቐነየ ቪድዮ ኣይተ ሳምሶም እንትስማዕ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት እናተመልከተ “ኢትዮጲያዉያን እዮም ቪድዮን ምስልን ዉሰዱ በይዛኹም” ክብል ይስማዕ።

ኣብዚ ጉዳይ ሪኢቶኣ ዝሃበት በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ሚሊዮን ሓለፎም ኣይተ ሳምሶም ብዘይፈልጦም ሰባት ከምዝተጨወየ ድሕሪ ብስልኪ ምዝራቡ ንፖሊስ ምፍላጣን ፖሊስ ብወገኑ ብትእዛዝ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተትሓዘ ከምዝተዛረባን ክሳብ ሐዚ ወላ ሓደ ደሃይ ከምዘይረኸበትን ቲኤምኤች ፀብፂቡ።

ጉዳይ ጭውያ ኣይተ ሳምሶም ፖሊስ ኪሊማኒ ይምርምሮ ከምዘሎን ክሳብ ሐዚ ምኽንያት መጭወይትኡን መጠርጠሪኡን ዝበሃል ወላ ሓደ ገበን ከምዘየለ በዓልቲ ቤቱ ወሲኻ ሓቢራ።

ኣብ ሃገረ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ን 16 ዓመታት ዝተቐመጠ ኣይተ ሳምሶም ኣብ ‘ ኤልፒጂ ጋዝ’ ዝሰርሕ እንትኾን ቅድሚ ሐዚ መሰል ተጓንፎ ረኺቡ ከምዘይፈልጥን እቲ ኽስተት ብዝኾነ መዐቀኒ ‘ምስ ስራሕ ዝተተሓሐዘ’ ኣይኮነን ክትብል በዓልቲ ገዝኡ ተረጋግፅ።

ብተወሳኺ ኣይተ ሳምሶም ካብ ባዕሉን ቤተሰቡን ሓሊፉ ንኻልኦት ፅጉማት ዝተርፍ ምስጉንን ኣቦ ድኻታትን ፅጉማትን ከምዝኾነ ይግለፅ።

ንኣይተ ሳምሶም ምኽንያት መጭወይኡ ዋላ እኳ ፖሊስ ዕላዊ ኣይግበር እምበር ምስቲ ኣብ ኢትዮጲያ ዘሎ ቅልዉላዉ ፖለቲካ ክተሓሓዝ ከምዝኽል ቡዙሓት ሰባት ግምቶም የቐምጡ።

ኣይተ ሳምሶም በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑት እንትኾን ክሳብ ሐዚ ብሂወት ምህላዉን ዘይምህላዉን ስለዘይተፈልጠ ንኣባላት ስድራኡን ዘመድ ኣዝማድን ብርክት ዝበሉ ተጋሩን ኣብ ሻቕሎት ዘእተወ ጉዳይ ኮይኑ ይርከብ።