ኣብ ማእከል ምሩኻት ትግራይ ኣስታት 11 ሽሕ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

ሰራዊት ትግራይ ፀላእቲ ንምድምሳስ ኣብ ዝሰየሞም ወፍርታት፡ ብዘይካ እቶም ቅድሚ ሎሚ ነናብ ስድራኦም ዝተሰደዱ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ማእከል ምሩኻት ትግራይ ኣስታት 11 ሽሕ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ወረርቲ ትግራይ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ትግራዋይ ዝበሃል ፍጡር ካብ ገፀ መሬት ኣጥፊእናዮ ኣለና ብምባል ብልዑል ፈንጠዝያን ሓጎስን እንትፅምብሉ ኣብ ዝተርኣዩሉ እዋን፣ በበይ መፅዩ ከይተብሃለ ሰራዊት ትግራይ ቅልፅሙ ኣደልዲሉ ሓይልታት ፀላእቲ ክልተ ጊዜ ክዛረቡ ጌርዎም ኤዩ።

እቲ ኣብ ፈለማ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተጀመረ ወፍሪ ስዩም መስፍን ኣብ ተምቤን ጉያን ጉሮሮን ዝተኻየደ ወፍሪ እዩ።

ሰራዊት ትግራይ ኣብ ቆላ ተንቤን ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ጅዋማረ፣ ወርዒን ተከዘን ኣብ ልዕሊ ዓሪዱ ዝነበረ ሓይሊ ፀላኢ ክበታተንን ካብቲ ቦታ ክለቅቕን ዝገበረ ወፍሪ እዩ።

ኣብዚ ወፍሪ እዚ ብርክት ዝበሉ ሰራዊት ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ዝኾኑሉን መበል 2ይ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ሓይሊ ኮማንዶ ኢትዮጲያን ንክልተ ሻለቓታት ኮማንዶ ዝተደምሰሰሉ ወፍሪ ምዃኑ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ገብረ ገብረፃዲቕ ምሕባሩ ይዝከር።

ብሓዱሽ ወፍርን መጥቃዕትን ገስጋሱ ዝቐፀለ ሰራዊት ትግራይ ሰነ 12/2013 ዓ/ም ዝጀመረ ወፍሪ ኣሉላ ኣባ ነጋ ድማ ኣብ ልዕሊ ዓወት ዓወት እናደራረበ ብተኣምራዊ ስርሒት 21 ሰነ 2013 ዓ/ም ንዋና ከተማ መቐለ ብምቁፅፃር መብዛሕተን ከተማታት ትግራይ ሓራ ከምዘዉፀአን ይፍለጥ።

ኣብዚ ስርሒት ን 10 መዓልቲ ክካየድ ዝፀነሐ ወፍሪ እንትኾን ልዕሊ 33 ሽሕ ሰራዊት ኢትዮጲያ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ዝተገበሩ እንትኾኑ እቶም 20,000 እንትሞቱ፣ 6,011 ድማ ተማሪኾም ምምራኾም ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ኣፍሊጡ እዩ።

ብተወሳኺ ኣብዚ ታሪኻዊ ስርሒት 25 መድፍዕ፣ 6 ሮኬት ተወንጫፊ፣ 91 ሞርታር፣ 16 Zu-23፣ 142 ዲሽቃ፣ 630 ብሬንን ካልኦት ንብረታት ፀላኢ ኣብ ኢድ ሰራዊት ትግራይ ከምዝኣተወ ብተመሳሳሊ ፀብፃብ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ከምዘፍለጠ ይዝከር።

ቀፂሉ ድማ ካብ ዕለት 5 ሓምለ 2013 ዓ/ም ብሽም ኣዴታት ትግራይ ዝተሰየመ ወፍሪ ልዕሊ 30 ሽሕ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጲያን ክልል ኣምሓራን ካብ ካልኦት ክልላት ዘዝመቶም ዕጡቓትን ብምድምሳስ ዝተኸምበተ ወፍሪ እዩ።

ኣብዚ ወፍሪ ብሰለስቲኡ ግምባራት ማለት እዉን ኣብ ግምባር ዓፋር ካብ ኣዉራ ክሳብ ጭፍራ፣ ኣብ ግምባር ደቡብ ካብ ኮረም – ኣላማጣ ባላ ክሳብ ቆቦን ጎብየን ኣለዋሃን፣ ብግምባር ምዕራብ ድማ ካብ እምባ ማድረ ማይፀብሪ ክሳብ ዓዲ ኣርቃይን ጨዉ በርን ዝተዘርገሐ ሓይሊ ፀላኢ ንምድምሳስ ናይ ሞትን ሒየትን ዉግእ ዝተኻየደሉ ወፍሪ ምንባሩ ሴንተራል ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ሓቢሩ እዩ።

ኣብዚ ወፍሪ ልዕሊ 17,852 ዝሞቱ ; 11,342 ዝቖሰሉ 944 ድማ እንትማረኹ 19 ታንኪ ; 39 መድፍዕን ካልኦትን ንብረት ፀላኢ ብሓየት ሰራዊት ዝተመንዘዐሉ ስርሒት ከምዝነበረ እዉን ምግላፁ ይፍለጥ።

እቲ ካብ 8 ነሓሰ ኣትሒዙ እቲ ኩናት ካብ መሬት ትግራይ ወፅዩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን እናላሓኸ ሰራዊት ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንማእኸል ዓዲ ኣብ ሓፂር ርሕቐት ናብ ዝርከበሉ ምዕራፍ ዘሰጋገረ ድማ ወፍሪ ፀሓይ ብራቕ እዩ።

ብተወሳኺ ካብ 8 ክሳብ 15 ነሓሰ 2013 ዓ/ም ኣብ ዝተገበረ ዉግእ ማለት እዉን ኣብ ምዕራብ ትግራይን ግምባር ወልድያን ደብረታቦርን ኣብዛ ምዕራፍ ጥራይ ልዕሊ 12,200 ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ዝኾኑ እንትኾኑ 22 ብሬን ብዓሰርተታት ዝቑፀራ መራኸቢ ሬድዮታት ዝተመንዘዑሉን ን ገገዉ፣ ሳሊ፣ ጠጠራ፣ ጉና፣ ክምር ድንጋይ፣ ጋሳይ ዋድ ሜዳን ሰራዊት ትግራይ ዝተቖፃፀረሉ ወፍሪ እዩ ክብል ዝገለፀ ሴንተራል ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሰራዊት ትግራይ ንትግራይ ሓዊሱ ብርክት ዝበለ ስፍሓት ከተማታት ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ተቆፃፂሩ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ሰራዊት ትግራይ ብወፍሪ ፀሓይ ብራቕ ኣቢሉ ብዘካይዶ ዘሎ ገስጋስን ዓወታትን ብምቕፃል ፀላእቲ ኣዓሪዶምሉ ኣብ ዝነበሩሉ ድፋዓት ደራዓዒሙ ነታ ብኣፃድፍን ኣኽራናትን ዝተኸበበት ደብረሲና እንትቆፃፀር ነታ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብሓፂር ርሕቐት እትርከብ ደብረብርሃን ይግስግስ ከምዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።