ብተግባር መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጲያ ዝተቖጠዑ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ፡ ካብዞም ከም ቁርዲድ ዝተላገቡና ኣካላት ፍትሕ እምበር ሓድነት ኣየድልን ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ከም ሓደ ኣካል ኢትዮጲያ ዘይኮነስ ከም ፀላኢ ሓይሊ ተቖፂሩ ክዉቃዕን ክህደንን ዓብዪ ተራ ካብ ዝተፃወቱ ኣካላት መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጲያ ብዋናነት ይጥቀሱ።

መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጲያ ፀላኢኻ ከም ነብስኻ ጌርካ ፍቶ ዝብል ቃል እቲ እምነት ኣብ ክንዲ ምግዋሕን ሰላም ምስባኽን ወያነ ምጥፋእ ፈጣሪ ከም ሓጥያት ኣይቆፅሮን ፤ ንሕና ብርሃን ኢና ፤ ኣብ ብርሃን እናተመላለስና ድማ ዓወትና ክነረጋግፅ ኢና ክብሉ ብብደዐ ብመስኮት ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ተዛሪቦም።

እዞም ካብ መንገዲ እቲ እመነት ወፅዮም ኣብ መንገዲ ጥፍኣት ዕንክሊል ዝብሉ ዘለዉ መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጲያ ኣካይደኦም ተዘይቀይሮም ናብ ገደል ሒዞሞ ዝኣትው ሰዓቢ ብርክት ዝበለ ከምዝኾነን ሕጂ እውን ኣብ ፅልኢ ተጋሩ ሸኺሎም፡ ተጋሩ ምጥፋእ ሓጥያት ኣይኮንነ ብምባል ኩሉ ኣብ ልዕሊ ብሄረ ተጋሩ ክለዓል ኣለዓዒሎም ኣለዉ።

ብተግባርን ኣከይዳን መራሕቲ እምነት ኢትዮጲያ ሓያል ቁጠዐ ዝፈጠረሎም መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ብዓብዩ ድማ ህዝቢ ትግራይ ካብዞም ከም ቁርዲድ ዝተላገቡና ዘይዉኩሉና ኣካላት ፍትሕ እምበር ሓድነት ኣየድልን ብምባል ናይ ገዛእ ርእሶም ዝዉንንዎ ኣብያተ እምነት ኣብ ምምስራት ይርከቡ።

ብፍላይ መራሕቲ እምነት ኦርቶዶክስ ኢትዮጲያ ንኻልኦት መራሕቲ እመነት መርኣያ ጉስቁልናን ክፍኣትን ብምኻን ኣብ ጎኒ ዕላማ ቢስ ዝኾነ መከላኸሊ ሰራዊትነ ባዕዳዉያን ሓይልታት ከምዝቖሙ ብቓልን ብተግባርን ኣረጋጊፆም እዮም።

ብመሪሕነት መራሕቲ እምነት ኢትዮጲያ ተመሪቖም ናብ መሬት ትግራይ ዝኣተዉ ሰራዊት ፀላእቲ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ንብረትን ሃፍትን ዘብፅሕዎ ዘይተነገረ እምበር ዘይተገበረ ገበን ከምዘየለ ይፍለጥ።