ስርዓት ኢትዮጲያ ኣብ ንምእላይ ጠንኪሮም ከምዝቃለሱ ዲያስፖራ ኦሮሞን ተጋሩን ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ ገሊፆም።

ቅደሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ኢትዮጲያ ብስም ለዉጢ ሽፋን ጌሩ ናብ ስልጣን ዝመፀ ዓምፃፃይን ጨፍላቓይን ሓይሊንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምቅባፅ ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ናብቲ ቅድሚ ዓመት ኣትሒዙ ኣንፃር እዚ ስርዓት እናተቓለሰ ምስ ዝመፀ ሰራዊት ትግራይ ተፀምቢሩ ብዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ዛጊድ ንሓይልታት ፀላእቲ ኣብ ክቢድ ራዕድን ድንጋፀን ኣእትይዎም ይርከብ።

ካብቲ ኣብ ዓዉደ ዉግእ ዘሎ ሕብረት ብተመሳሳሊ ኣብ ደገ ዝርከብ ዲያስፖራ ክልቲኡ ህዝብታት ልክዕ ከምቲ ሰራዊት ትግራይን ነፃነት ኦሮሞን ብቕልፅሞም ዘረጋግፅዎ ዘለዉ ዓወታት ብመዳይ ዲፕሎማሲ ዘሎ ምስርዕ እዉን ከይዛሪ ዉዳበና ኣሐይልና ኣንፃር ፀላእቲ ጠጠዉ ንምባል ክነቃለስ ኢና ክብሉ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲኣብ ዝገበርዎ ሰልፊ ገሊፆም።

ካብቶም ዝስምዕምዎም ድምፅታት እውን ኣብዪ ቀታሊ እዩ ካብ ስልጣኑ ይተኣለ፤ ኣኣብይን ኢሳያስን ናብ ሕጊ ይቕረቡ፤ መንግስቲ ኢትዮጲያን ኤርትራን ተሓተትቲ ገበን ጆኖሳይድ እዮም ዝብሉን ካልኦትን ይርከብዎም።

ስርዓት ባይደን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝወስዶ እገዳ ትኽክለኛ ስጉምቲ ምኻኑን ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ጥንኩሩን ዘየዳግምን ስጉምቲ ንኸወስድ ዲያስፖራታት ተወለድቲ ብሄር ትግራይን ኦሮሞን ተላብዮም።

ብተወሳኺ ብኽልቲኡ ወገን ዘለዉ እሱራት ፖለቲካ ንክፍትሑን መንግሰቲ ኣብዪ ክሰብ ካብ ስልጣኑ ዝእለ ቃልሶም ጠጠዉ ከምዘይብልን ኣብቲ ሰልፊ ዝተረከቡ ወገናት ኣረጋጊፆም።

ኣብ መወዳእታ መፃኢ ኢትዮጲያ ዝዉሰን እቲ ኣብ ግምባር ኮይኑ ምስ ኣንፃር ዉፁዓት ጠጠዉ ዝበለ ሓይሊ ምስ ዝካሻሕ ዘሎ ሰራዊት ትግራይን ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞን ምስ መሰላቱ ካልኦት ሓይልታት እታ ሃገርን እዩ እምበር ንባዕዳዉያን ካልኣይ ዕድል ዝወሃበሉ ምኽንያት የለን ክብሉ እቶም ሰልፍኛታት ኣተሓሳሲቦም።