ፈረንሳይ፡ በቲ ኣብ ኢትዮጲያ ዘሎ ህዉከት ብምስጋእ ዜጋታታ ካብ ኢትዮጲያ ምዉፃእ ከምዝጀመረት ሮይተርስ ገሊፁ።

ሃገረ ፈረንሳይ፡ ብምኽንያት ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ኲናት ዜጋታታ ብቕልጡፍ ንኽወፁ ፍሉይ በረራ ኣየር ብምድላው ዝሓለፈ ሰንበት ኣትሒዛ ካብ ኢትዮጲያ ናብ ፓሪስ ምጉዕዓዝ ከምዝጀመረት ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ንሮይተርስ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኩነታት ኢትዮጲያ ንድሕንነት ዜጋታተይ ዉሑስ ኣይኮነን ዝበለት ፈረንሳይ ኣብታ ሃገር ንዘለዉ ዜጋታት ብዘይ ወዓል ሕደር ለቒቖም ንኽወፁ ኣተሓሳሲባ ምንባራ እቲ ፀብፃብ ኣዘኻኺሩ።

ሕብረት ኣውሮፓ፡ ኣባል ሃገራቱ ብወፃኢ ጉዳያት ሚንስተርን ኣቢለን ዜጋታት ዝንቀሳቐስሉ ኩነታት ንምስላጥ ፉሉይ በረራ ንምክራይ ከምዝወሰነን ሙሉእ ክፍሊት ከምዝተኸፈለን ሮይተርስ ኣረጋጊፁ።

ሃገራት ዓለም ነቲ ኣብ ትግራይ ጀሚሩ ሐዚ ናብ ማእኸል ዓዲ ኢትዮጲያ ሱር ዝሰደደ ኩናት ሳዕቤኑ ከቢድ ምዃኑ ብምግንዛብ ዜጋታተን ካብታ ሃገር ብህፁፅ ንኽወፁ ካብ ዝኣወጃ ከምኒ ኣሜሪካ፣ ካናዳ፣ ኢንግሊዝ፣ ፈረንሳይን ካልኦትን ከምዝፀወዓ ዝፍለጥ እዩ።

ብኣንፃሩ ድማ መንግስቲ ኣብዪ ስዕረት ዝበሃል ብጥቓ ኢትዮጲያዉያን ኣይሓልፍን ብምባል ንህልዊ ኩነታት እቲ ቅልውላው ክቕበል ከምዘይከኣለን ቀፃሊ ዜጋታት እታ ሃገር ናብ ሓዊ ይዳጉኖም ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ።