ኣብዪ ኣሕመድ ሰለማውያን ተጋሩ ኣብ ዓዉደ ኩናት ማሪኸዮም ብምባል ተዋስኦ ምስራሕ ከምዝቀፂለሉ ተሓቢሩ።

ዓለም ለኸ ሕጊ ኩናት ምስ ዕጡቓት ሓይልን ኣብ ዓዉደ ዉግእ ዝርከብ ተዋጋኣይን ዝግበር እንትኾን ኣብቲ ቦታ ዝተማረኹ ወይ እዉን ኢድ ዝሃቡ ተዋጋእቲ ከከም መስርሑ ክተኣናገዱ ከምዝግባእ የቐምጥ።

ብኣብዪ ኣሕመድ ትምራሕ ኢትዮጲያ እታ ሃገር ናብ ዓዘቕቲን ማዕሙቑን ኣእትይዋ እንተብቅዕ ኣብ ልዕሊ መሰል ዓርሰ ዉሳነይ ባዕለይ የረጋግፅ ዝበለ ህዝቢ ምስ ባዕዳዉያን ተላፊኑ ዉግእ ከፊቱ ዝካኣሎ ኩሉ እናገበረ ይርከብ።

ኮይኑ ግና ሓይሊ ሚዛን ሰራዊቱን ተቓለስቲ ፍትሒ ዝኾኑ ሰራዊት ትግራይን ብዘይምምጥጣኑ ነዚ ዘሕፈሮ ኣብዪ ኣሕመድ ድኽመቱን ዉርደቱን ንምሽፋን ካብ ሱዑዲ ናብ ዓዶም ዝኣተዉ ስደተኛታት ተጋሩን ኣብ ኣዲስኣበባ ኣብ ዉልቀ ሂወቶም ተዋፊሮም ዝነብሩ ዝነበሩ መናእሰይ እናሰብሰበ ብመስኮት ቴሌቭዥን ናይ ሓሶት መሸቀሊ ፕሮፖጋንድኡ ይጠቀመሎም ኣሎ።

እዚ ፍፁም ሓሶት ምዃኑ ገለ ዶንጉዮም ዝነቕሑ ሰዓብቱ እዉን እንተኾነ ነቲ ሓቂ ጎቦ ጎቦ ከብልዎ ዝተርኣዩ እንትኾኑ ተጋሩ ግን ነዚ ፍፁም ሓሶት በቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ እናዞረ ዝርከብ ምስሊ እናመመዩ ኣብ ምቅላዕ ብዕቱብ እናሰርሕሉ ይርከቡ።

እዚ ኣብ ዓዉደ ዉግእ ዘይተረኸበ መንእሰይ እናኣከብካ ብስም ሙሩኽ ብመስኮት ቴሌቭዥን ምርኣይ ኣካል ናይዚ ገበን ጆኖሳይድ ምዃኑ እናገለፁ ዝርከቡ ተጋሩ ካብቶም ምስሎም ዝተርኣዩ ሰለማዉያን ተጋሩ ንምዃኖም ምስክርነቶም ዝሃቡ ቤተሰብ ወይ ዘመድ ይርከብዎም።

ሓደ ካብኣቶም መሓሪ ኣስገለ ዝበሃል እንትኾን ተወሊዱ ዝዓበየሉ ሰበያ እንትኾን ካብ ሱዑዲ ዓረብ ፀኒሑ ተታሒዙ ድሕሪ ናብ ኣዲስኣበባ ምእታዉ ገዛ ተኺርዩ ይየብር ከምዝነበረ መሓዝኡ ክብሮም ኪሮስ ይምስክር።

ልክዕ ሙሩኽ ተባሂሉ ብቴሌቭዥን ቀሪቡ ምስ ረኣዮ ድማ ኣብዪ ኣሕመድ ማዕረ ክንደይ ዝወረደ ኣመራርሓ ከምዘለዎን እታ ሃገር ኣብ ናይ ሓሶት ማዕበል ከምእትሽክርከርን ኣረጋጊፀ ይብል።

ካልእ ማህደር ደስታ ሓጎስ ይበሃል ብህፃኑ ከሎ ወለዱ ዝሰኣነ እንትኾን ኣብ ማእኸል መሐብሐቢ ቅድስቲ ማርያም ዓዲግራት ዓብዩ ብሳላ ዘርአዮ ፃዕሪ ድማ ማህደር ብሃይድሮሊክ ኢንጅነሪንግ ተመራቒ ወሎ ዩንቨርስቲ እዚ ዓመትንምዃን ዝበቐዐ ንምዃኑ መሓዙቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣቃሊዖም።

ማህደር ካብቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነብሩ ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ ሓደ እንትኾን ብፍላይ ምስ ምትሓዝ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ፀላእቲ መሸፈኒ ስዕረቶም ብዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ጥራሕ ትግራዋይ ይኹን ብኣልማሚት ንኽእሰሩን ንኽቕተሉን ብዝወረደ መምርሒ ካብ ዝተኣሰሩ ሓደ ማህደር ደስታ ይርከቦም።

ንማህደር ደስታ ካብ ኮምቦልቻ ዓፊኖም ወሲዶም ሙሩኽ እየ ኢልካ መስክር ኢሎም ብዘይፍትሒ ኣብ መስኮት ቴሌቭዥን ኣብዪ ኣሕመድ ንኽቐርብ ተገዲዱ ኣሎ።

ብትእዛዝ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ኣዲስኣባን ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገርን ዝርከቡ ተጋሩ ብጅምላ ክእሰሩን ክሳቐዩን ካብ ዝገብሩ ዘለዉ ድማ ብርክት ዝበሉ ሰለያን ኤርትራዉያን ከምዝርከብዎም ምንጭታትና የረጋግፁ።

ኣብ ኣጋ ዕርበቶም ዘለዉ ወረርቲ ሓይልታት መሊእኻ ክሳብ ዝቕበሩ ተጋሩ በቢዘለዉዎ ኣንፃር እዞም ግፍዐኛታት ብምቛም ዕድመኦም ንምሕፃር ዘኽእል ኩሉ ዓይነት መስርሕ ኣብ ምትግባር ይርከብ።