ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ብምልሻን ፋኖን ኣምሓራ ከቢድ ስርቂን ዘረፋን ከምዝተፈጸመለን ነበርቲ ሓቢሮም።

ሰራዊት ትግራይ ኣብ ቀረባ ዝገበሮ ምትዕርራይ ሲዒቡ ኣብ ኢድ ፍሉይ ሓይሊን ምልሻን ኣምሓራ ዝወደቃ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ብምልሻን ፋኖን ኣምሓራ ከቢድ ስርቂን ዘረፋን ከምዝተፈጸመለን ነበርቲ ገሊፆም።

ሰራዊት ትግራይ ካብ ከተማታታት ደሴን ኮምቦልቻን ምውጾኦም ድሕሪ ምስምዖም ናብቲ ከተማ ዝኣተወ ፋኖ ዝተበሃለ ዘራፊን ወራሪን ጉጅለ ኣብ ኣብ ክልቲኤን ከተማታት ከቢድ ዘረፋ ዝካየደ እንትኸውን መኪና፣ ወርቂ፣ ካልኦት ንብረታት ነበርቲ እተን ከተማ ብሓይሊ እናመጠለን እናፈራርሐን ከምዝወሰደ ነበርቲ እተን ከተማ ብምንጽጻር ኣብ ምዝራብ ይርኸቡ።

ብፍሉይ ወታደራዊ ዲስፕሊን ሰራዊት ትግራይ ንብረት ህዝቢ ከይተነከአን ሂወቶም ኣብ ሓደጋ ከይወደቀን ንኣስታት 40 መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ትግራይ ዝጸነሓ እዘን ከተማታት ፋኖ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እቲ ከተማ ዝፈጸሞ ወራር ሲዒቡ እቲ ሓይሊ ወሎ ለቂቁ ክወጽእ እናተጸወዐ ይርኸብ።

ኣብ ዝኸዶ ንብረት ብምዝራፍ፣ ደቂ ኣንስትዮ ብምድፋር ዝፍለጥ ፋኖ ዝተበሃለ ወራሪ ሓይሊ ክልለይን ህዝበይን ኣብ ልዕሊ ዝብሎ ህዝቢ ከምዚ ዝበለ ወራርን ስርቂን ምፍጻሙ መዘራረቢ ዛዕባ ዝኾነ እንትኸውን ነቲ ጉጅለ ክመርሑን ክገንሑን ዝጸንሑ ሓደ ሓደ ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብ ኣብን ከይተረፈ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከውግዝዎ ተራእዮም እዮም።

እዚ ወራርን ስርቂን ፋኖ መሰረት ብምግባር ኣብ ክልል ኣምሓራን ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብ ኣብንን ምክፍፋል ዝተፈጠረ እንትኸውን “ፋኖ ዝተበሃለ ወራሪ ሓይሊ ናብ ጎንደርን ጎጃምን ይመለሰልና። ውሎ ይልቀቀልና” ዝብሉ በሓደ ወገን ካብ ጎጃምን ጎንደርን ዝኾኑ ድማ ንፋኖ ደጊፎም ክማጎቱ ብሰፊሑ ይርኣይ ኣሎ።