ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣነስትዮ ትግራይ ዝተፈፀመ ምፅናት ዘርኢ ብዘይሻራዊ ኣካል ብምፅራይ ግቡእ ፍርዲ ክህብ ተሓቲቱ።

ብብርኪ ዓለም ንመበል 31 ግዜ ኣብዝኽበር ዘሎ ቅነ-ፃዕዳ ሪቫን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣነስትዮ ትግራይ ዝተፈፀመ ፆታዊ ዓመፅን ግፍዕታትን ብዘይሻራዊ ኣካል ኣፃርዩ ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ግቡእ ፍርዲ ክህብ ፃውዒት ቀሪቡ።

ተሳተፍቲ እቲ ብቢሮ ጉዳይ ደቂ-ኣነስትዮ ትግራይ ምስ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ብምውዳድ ዝተሰናደአ መድረኽ ማሕበረሰብ ዓለም ዘይሻራዊ ምፅራይ ብምክያድ ኣብ ልዕሊ እቶም ፆታዊ ዓመፅ፣ መቕተልትን ምፍንቓልን ከምመሳርሒ ኲናት ዝጥቀሙ ዘለው ወረርቲ ሓይልታት እዋናዊን ንኻልኦት እውን ትምህርቲ ዝህብ ስጉምቲ ክወስድ ፀዊዖም።

ብሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ፣ ዓዲግራትን ኣጉላዕን ዝተደፈረት ወይዘሮ ሄለን ግርማይ ንወዲ 12 ዓመት ወዳ ሓዊሱ ካልኦት ህፃናት ብሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክቕተሉ ብምርኣያ ኣብ ስነ-ልቦናዊ ስቓይ ፀኒሓ ቅድሚ ኣብዚ ወርሒ ምሟታ ዝዝከር እዩ።

ወይዘሮ ሄለን ኣብቲ ዝሃበቶ ናይ መወዳእታ ቃለመሕትት “ኣብቲ ንዓሰርተ መዓልቲ ተጨዊና ዝተደፈርናሉ ጫካ ሓንቲ እናደፈርዋ ዝሞተት ብኦፕራሲዮን ዝወለደት ሓራስ ንወዲ 10 መዓልቲ ዕሸል ወዳ እቶም ወታደራት ኤርትራ ‘ዓጋመ ኣይዓብን እዩ’ እቶም ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ‘ጁንታ ኣያድግም’ እናበሉ ብካራ ክቐትልዎ” ምርኣያ ሓቢራ ኔራ።

ወሲኻ እውን ሄለን “ኣብ ኣእምሮይ እቲ ዕሸል ክቖርፅዎ ከለው እዩ ዝረኣየኒ ድቃስ ዝበሃል ኣይፈልጥን” ብምባል ኣብ ከቢድ ስነ-ልቦናዊ ማህሰይቲ ምንባራ ተዛሪባ ኔራ።

ካብዚ ብተወሳኺ ክትትል ሕክምና ክትገብር ዝፀነሐት ወይዘሮ ሄለን በቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘንበሮ ዕፅዋ ብሰብሞያ ዝተኣዘዘላ መድሓኒት ክትረክብ ብዘይምኽኣላ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከምዘላ ሓቢራ ኔራ።

ንሰሙናት ብጉጅለ ተደፊራ ከቢድ ስቓይን ፈተናን ሓሊፋ ንኣዋርሕ ክትትል ክግበረላ ዝፀነሐት ወይዘሮ ሄለን ግርማይ ሎሚ ግቡእ ሕክምና ብዘይምርካባ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ ኣላ።

መምህር ኮሌጅ ሕርሻ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶ/ር ትዕግስቲ ንሞት ሄለንን ካልኦት ተመሳሳሊ ከቢድ ማህሰይቲ ዝበፅሐን ደቂ-ኣነስትዮ ትግራይን “ክልተ ሞት ዘስዐበ ፆታዊ ዓመፅን ምኽልካል ግልጋሎት ጥዕናን ከምመሳርሒ ኲናት ዝተጠቐሙ ገበነኛታት ብዘይሻራዊ ኣካል ተፃርዩ ግቡእ ፍርዲ ክርኽቡ” ንኽሰርሕ ንማሕበረሰብ ዓለም ፀዊዓ።

መምህር ሕጊ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሓጋዚ ፕሮፌሰር መብራህቱ ፍትዊ ኩለመዳይ መርኣዪታት ምፅናት ዘርኢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምፍፃሞም ብምብራህ እቲ ተኻይዱ ዝተብሃለ ምርመራ ንፆታዊ ዓመፅ ብትኹረት ዘይምፍታሹ ፈፃሚ ገበን ንምክልኻል ዝተገበረ ምዃኑ ከምዘመላኽት ኣብሪሁ።

ባዕዳዊ ወራሪ ሓይሊ ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ብምስታፈን እቲ ኲናት ኣህጉራዊን ዓለምለኻዊን መልክዕ ምሓዙ ዝሓበረ ሓጋዚ ፕሮፌሰር መብራህቱ ፍትዊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ድሕንነት ደቂ-ኣነስትዮ ናይ ምውሓስ ግቡእ እናሃለዎ ምስቲ ኣካል እቲ ገበን ዝኾነ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ብምውጋን ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣነስትዮ ትግራይ ዝተፈፀመ ፆታዊ ዓመፅ ከምመሳርሒ ኲናት ናይ ምጥቃም ኣሰራርሓ ክሓብእ ምፅዓሩ ኣረዲኡ።

ሓጋዚ ፕሮፌሰር ጥዕና ኣዴታት መብራህቱ ሃፍቱ ብወገኑ እተን ፆታዊ ዓመፅ ዝበፅሐን ወገናት ይኹን ካሊእ ህዝቢ ከይግልገል ትካላት ጥዕና ትግራይ ልፍንታዊ ወረርቲ ሓይልታት ከምዘዕነውዎ ገሊፁ።

ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ 1% ትካላት ጥዕና ጥራሕ ፆታዊ ዓመፅ ንዝበፀሐን ወገናት ግልጋሎት ይህባ ምንባረን ዝሓበረ ሓጋዚ ፕሮፌሰር መብራህቱ ሰራዊት ትግራይ ንመቐለ ሓዊሱ መብዛሕትኡ ከባብታት ትግራይ ምቁፅፃሩ ስዒቡ 20% ግልጋሎት ክህባ ምኽኣለን ኣብሪሁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብኣንፃሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝኣወጆ ክባን ዕፅዋን ቅልውላው ጥዕና ብምግጣሙ ኣቃውማ ትካላት ጥዕና ትግራይ እተን ፆታዊ ዓመፅ ዝበፅሐን ወገናት ግልጋሎት ጥዕና ናብ ዘይረኽባሉ ብርኪ ምውራዱ ኣፍሊጡ።

ሓጋዚ ፕሮፌሰር ጥዕና ኣዴታት መብራህቱ ሃፍቱ እተን ፆታዊ ዓመፅ ዝበፅሐን ወገናት ምርመራ ኤች ኣይ ቪ ኤድስን ካልኦት ብፆታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ግልጋሎታት ጥዕና ይጠልባ እኳ እንተሃለዋ ብስእነት ናውቲ ሕክምናን መድሓኒትን ንተወሳኺ ስቓይ ምቅለዐን ጠቒሱ።

በዓልቲ ሞያ ሕክምና ኣእምሮ ዶ/ር ኮኾብ ገብሩ ብወገና ኣብ ቅድሚ ቤተሰበን፣ ብግፍዒ ሰባት ክቕተሉ ዝረኣያ፣ ኣብ ዕዳጋ ይኹን ሰብ ብበዝሒ ኣብዝተኣከበሎም ከባብታት ዝተደፈራ ብምዃነን ንከቢድ ስነ-ልቦናዊ ውጥረት ከምዝተዳረጋ ሓቢራ።

ሲስተር ሙሉ መስፍን ብወገና ናውቲ ምርመራ፣ ሕክምናን መድሓኒትን ብዘይምህላው ፆታዊ ዓመፅ ዝበፅሐን ደቂ-ኣነስትዮ ትግራይ ንከቢድ ኣካላዊን ስነ-ልቦናዊን መጉዳእትን ሞትን ይቃልዓ ምህላወን ኣብሪሃ።

ኣይተ ማሾ ኪዳነማርያም ብተመሳሳሊ ብርክት ዝበላ ደቂ-ኣነስትዮ በቲ ኣብ ልዕሊአን ዝተፈፀመ መድፈርቲ ንኣካላዊ ጉድኣት ምቅለዐን ከምዘተሓሳሰቦ ተዛሪቡ።

መምህር ሕጊ መኮነን ፍሰሃ ብወገኑ እተን ፆታዊ ዓመፅ ዝበፅሐን ወገናት “ደቂ-ኣነስትዮ ብምዃነን ከይኮነስ ደቂ-ኣነስትዮ ተጋሩ ስለዝኾና ብምዃኑ ማሕበረሰብ ዓለም ምፅናት ዘርኢ ኢሉ ብስሙ ክፅውዖ” ሓቲቱ።