ፀሓፊ ታሪክን ተመራማሪርን መምህር ገብረኪዳን ደስታ ዓሪፎም።

ሎሚ 07 ታሕሳስ 2014 ዓ/ም ፀሓፊ ታሪክ ዝኾኑ መምህር ገብረኺዳን ደስታ ብሰንኪ ተላባዲ ሕማም ኮረና ኣብ መቐለ ሆስፒታል ንኸባቢ ሓደ ሰሙን ሃሪሶም ድሕሪ ምፅናሖም ከምዝዓረፉ ምንጭታት ኣኽሱማይት ሚድያ ካብቲ ቦታ ኣብፂሖምና ኣለዉ።

መምህር ገብረኺዳን ኣብ ምምዕባል ፅነ ፅሑፍ ትግርኛ ; ስነዳ ታሪኽ ; ምጉልባት ብሄርተኝነትን ሽርሕን ተንኮልን ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምቅላዕን ዓብዪ ተራ ዝተፃወቱ ኣቦ ታሪክ ህዝቢ ትግራይ ምዃኖም ይዝረበሎም።

ፀሓፋይን ተመራማሪ ታሪኽን መምህር ገብረኺዳን ብ 1987 ዓ/ም ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ክምስረት ኣለዎ ኣብ ዝተብሃለሉ እዋን ድሕሪ ምክያድ ፈላማይ ዓዉደ መፅናዕቲ ብ 1988 ዓ/ም ” ፅዉፅዋይ ትግርኛ ” ትብል መፅሓፍ ናብ ህዝቢ ኣቕሪቦም እዮም።

ብ 1997 ዓ/ም እዉን ኣብቲ እዋን ዝነበረ ዘይምርግጋዕን ፅልኢት ብሄር ተጋሩን ስዒቡ ተጋሩ ካብ ማእኸል ዓዲ ናብ መቐለ ንብረቶም ናብ ቀበሌ እናተብሃለ ኣብ ዝስበኸሉ ዝነበረ እዋን ነዚ ኩነታት ዝተዓዘቡ መምህር ገብረኺዳን ‘ የትግራይ ህዝብና የትምክህተኞች ሴራ’ ዝብል መፅሓፍ ኣስዓቡ።

ብርክት ዝበሉ ሰባት ነዛ ኣብ 1997 ዓ/ም ዝፀሓፍዋ መፅሓፍ ኣቃቂር እንተዉፅኡላ መምህር ገብረኺዳን ግና ልቢ ትግራዋይ ፀባ ዘስተየት ንፀላእቱ ድማ ዘቃፀለት መፅሓፍ እየ ኣሐቲመ ይብሉ።

ቀፂሎም እዉን ኣብቶም ቅድም ኢሎም ምእንተ ሃገርን ወገንን ሂወቶም ዝገበሩ ነገስታት ትግራይ ዘዘንቱ ” እምቢታ ኣንፃር ወረርቲ ; ገድሊ ሃፀይ ዮዉሃንስ 4ይ ብቋንቋ ትግርኛን ኣምሓርኛን ፅሒፎም ናብ ህዝቢ ኣቕሪቦም እዮም።

መምህር ገብረኺዳን ብርዖም እንተልዕሉን ኣፎም እንትኸፍቱን ትግራይ ምስ ኢትዮጲያ ክትላገብ ዘይግበኣ ምዃናን ነፃነት ትግራይ ተዘይተጋሂዱ ግን ፀላእቲ በቢእዋኑ ዝዕንድሩላ ከምእትኸዉን የዘንትዉ።

ብሕልፈት ሂወት መምህር ገብረኺዳን ንመላእ ትግራዋይ ዘሕዘነ ክስተት እንትኾን ኣኽሱማይት ሚድያ እዉን ንመላእ ስድራን ኣዝማድን ምፅንዕናዕ ይምነ።