ብስርዓት ኢትዮጲያን መሻርኽቱን ኣብ ኣብዓላ ልዕሊ 250 ተጋሩ ብግፍዒ ከምዝተቐተሉ ተሓቢሩ።

እቲ ብትእዛዝ መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ ተጠናኺሩ ዝቐፀለ ፅንተት ተጋሩ; ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ነበርቲ ወረዳ ኣብዓላ ልዕሊ 250 ብሰራዊት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድን ሰራዊት ሻዕብያን ብግፍዒ ተቐቲሎም ክብል ዝፀብፀበ ቴሌቭዥኝ ትግራይ እዩ።

ብተወሳኺ ካብቲ መቕተልትን መርሸንትን ብሂወት ዝተረፉ ልዕሊ 600 ወገናት ድማ ናብ ወረዳ እንደርታ ተመዛቢሎም ምህላዎም እቲ ፀብፃብ ኣረጋጊፁ።

ተወለድቲ ትግራይ ነበርቲ ክልል ዓፋር ወረዳ ኣብዓላ ብወታደራት ፋሺስት ኣብይ ኣሕመድን መሻርኽቱን ይሳቐዩ፣ ይቕተሉ፣ ይመዛበሉን ከምዘለዉ ግዳይ እቲ ጥቕዓት ዝኾኑ ናብ ወረዳ እንደርታ ካብ ዝተመዛበሉ ወገናት ምስክርነቶም ነቲ ጣብያ ሂቦም ኣለዉ።

ሓንቲ ግዳይ ናይቲ መጥቃዕቲ ዝኾና ወላዲት ካብ ክልል ዓፋር ወረዳ ኣብዓላ በቲ ግፍዒ ምኽንያት ኣብዚ ሐዚ እዋን ናብ ወረዳ እንደርታ ዝተመዛበላ እንትኾና ኣብቲ ዝነበራሉ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ተጋሩ ቕትለትን ስርቅን ይፍፀም ከምዘሎ ተዛሪበን።

ነዚ ስዒቡ መላእ ስድርአንን ንብረተንን ንድሕሪት ገዲፈን ህይወተን ከውፅኣ ናብ ወረዳ እንደርታ ተመዛቢለን ከምዝርከባን ሐዚ ስድርአን ብህይወት ይሃልው ኣይሃልው ዝፈልጥኦ ነገር ከምዘየለ እየን ሓቢረን ይብል እቲ ፀበሰፃብ።

ብተመሳሳሊ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ደቂ ትግራይ ዘነፃፀረ ዝተፈላለዩ ግፍዕታት ይፍፀም ከምዘሎን ዝሓበሩ እቶም ግዳያት ንስድርኦም ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ኣብታ ወረዳ ከምዝነብሩን ድሕሪ ምግላፅ ካብ ወረዳ ኣብዓላ ብግፍዒ ዝተመዛበሉ ካልኦት ተወለድቲ ትግራይ ገሊፆም፡፡

ኣመሓዳሪ ወረዳ እንደርታ ኣይተ ፀጋይ ገብረተኽለ ዛጊድ ልዕሊ 600 ተወልድቲ ትግራይ ነበርቲ ወረዳ ኣብዓላ ናብ ወረዳ እንደርታ ከምዝተመዛበሉን ልዕሊ 250 ወገናት ድማ ብግፍዒ ከምዝተቐተሉን ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ኣብዓላ ልዕሊ 37 ሽሕ ተወለድቲ ትግራይ ከምዝነብሩ ዝግመት እዩ ዝበለ እቲ ኣማሓዳሪ ብምዃኑ ድማ ነቲ ዘጋጠመ ፀገም መፍትሒ ንምንዳይ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ይዝተ ከምዘሎ እዩ ኣይተ ፀጋይ ወሲኹ ሓቢሩ።

ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ መሬቶም እምበር ሰቦም ኣየድልን ብዝብል ኣምር ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ብሄር ትግራይ ካብ በቢዘለዉዎ ንኽጠፍኡን ዓዶም ለቒቖም ክስደዱን ንምግባር ዘለዎም ዓቕሚ ፀንቂቖም እንትቃለሱ ህዝቢ ትግራይ ድማ ኣንፃር እዞም ናይ ታሪኽ ፀላእቱ ተዓጢቑ ይኳሻሕ ኣሎ።