ግፍዒ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምቅላዕ ኣብ ዝተረኸቡ መድረኻትን ማሕበራዊ ርክባትን ብምኻድ ኩሉ ዓለም ንኽፈልጦ ክስራሕ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጠረ ኩናትን ክባን ዕፅዋን ንኸብቅዕን ኢሉ እዉን ማሕበረሰብ ዓለም ንኽፈልጦን ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ርክባትን መድረኻትን ተረኺብና ተግባር ፀላእቲ ክነጋልፅ ይግባእ ክብል ስፖርት ኣካዳሚ ትግራይ ኣብ FB ገፁ ኣፍሊጡ።

ኩሉ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝርከብ ትግራዋይ ከም ንህቢ ክወፍርን ኩሎም ጎደናታት ዓለም ብዛዕባ ትግራይ ጆኖሳይድ ዝገልፁ በረርቲ ፁሑፋት፣ባነራት፣ ኣብ ትሸርትታት ብምሕታም፣ ኣብ መኪናታት ጎኒ ብመልክዕ ፎቶታትን ቪድያትን እናጠተቅዑ ሰባት ክሪእዎ ኣብ ምግባርን ክስራሕ ኣለዎ ኢሉ።

ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ፌስቲቫላት፣ በዓላት፣ መዘናገዒ ቦታታት፣ ናይ ውልቀን መንግስትን ቢሮታት ብፍላይ ድማ በዝሒ ህዝቢ ዝእከበሎም ከም ኣብነት ኣብ ስፖርት ውድድራት ፕሪመርሊግ፣ሻምፕዮንስሊግ ፣ ኢሮፕያ ሊግ ወዘተ ኣብ ዝሳለጡ ፀወታታት ዓለም ናብቲ ቦታ ብምኻድ ግፍዕታት ህዝቢ ትግራይ ኣብቲ ቦታ ብምግዋሕ ናብ ረብሓ ክዉዕል ምግባር ከምዘድሊ እዉን ወሲኹ ኣካዳሚ ስፖርት ትግራይ ኣረዲኡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኩሉ መንእሰይ ዲያስፖራ ትግራይ ናብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ውድድር እንግሊዝ(ፕሪመርሊግ)፣ ላሊጋ(ስፔይን)፣ ሰሪኣ(ጣልያን)፣ ጀርመን ወዘተ ፀወታ ኣብ ዝህልወሉ ተኸታቲሉን ስረሐይ ኢሉን ብምኻድ ዕፅዋን ክባን ጥምየት ህዝቢ ትግራይ ፣ ብሳኣን መድሓኒት ሞት ህፃውንቲ፣ ዓመፅ ደቂኣነስትዮ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ዘርኢ ምፅናት (Genocide ) ይካየድ ከምዘሎን ኣብ ምፍላጥ ኩሉ ክረባረብ ይግባእ ኢሉ እቲ ኣካዳሚ ስፖርት።

ካብ ትግራይ ወፃኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጲያ ዝነብሩ ወገናት እዉን ተጋሩ ጥራሕ ብምዃኖም ኣብ እስሪቤታት ይዳጎኑን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብትእዛዝ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝግበር ዘል መርሸንትን መቕተልትን ኢሉ እዉን ኣብ ልዕሊ ዝተኣሰራ ደቂ ኣነስትዮ ዝበፅሕ ዘሎ ፆታዊ ዓመፅ ደው ክብል ብውዳበ መልክዕ ንዓለም ህዝቢ ድምፂ ክኾኑን ነቲ ጉዳይ ክፈልጥዎን ዘይሕለል ፃዕሪ ክንገብር ኣለና ተባሂሉ።