ተጋደልቲ ንኡስ ወለዶ ትግራይ ኣሰር ናይቶም ቀዳሞት ኣያታቶም ብምስዓብ ዓበይቲ ዓወታት የመዝግቡ ምህላዎም ተሓቢሩ።

መንእሰይ እዚ ዘመን ነቲ ከም ህዝቢ ንኸይህሉ ተሃቂንሉ ዝመፀ ሓደጋ ንምምካት ካብ ፖለቲከኛ፣ ሙሁር፣ተምሃራይ ኮታስ ንዓቕመ ኣዳም ዝበቐዐ ኩሉ ኣንፃር ባዕዳዉያንን ናይ ዉሽጢ ፀላእትን ይኳሻሕ ኣሎ።

በዚ መሰረት እዉን ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ተጋደልቲ እዚ ዘመን ሕድሪ ናይቶም ቀዳሞትን ኣሰሮምን ብምስዓብ ዝተፈላለዩ ሜላ ብምጥቃምን ፍሉይ ስርሒት ብምምዝጋብን ወርቃዊ ታሪኽ እናመዝገቡ ይርከቡ።

ካብኣቶም ሓደ ተጋዳላይ ግርማይ ኣብርሃ ( ድሮን ) እንትበሃል ኣብዚ ዓዉደ ዉግእ ካብ ዝኣቱ 23 ታንኪ ዘቃፀለ ፍሉይ ዓወት ካብ ዘመዝገቡን ጀጋኑ መናእሰይ ናይዚ ዘመን ሓደ እዩ።

ተጋዳላይ ግርማይ ብናይ ገድሊ ስሙ ” ድሮን ” ተባሂሉ ዝፅዋዕ እንተኾን ምኽንያቱ ድማ ማዕረ ኽንደይ ሓደገኛ ምዃኑን ዘይስሕት ንምዃኑን ዝዉክል ገድሊ ስም ምዃኑ የመላኽት።

ተጋዳላይ ግርማይ ( ድሮን ) ምስ ድምፂ ወያነ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት እንትዛረብ ‘ ኣነን ታንክን ተተራኺብና ኣይንተሓላለፍን ወይ ድማ ምሕረት ኣይገብረለንን ክብል ይገልፅ።

ካልእ ኣብነት ጀግኑ መናእሰይ እዚ ወለዶ ድማ ተጋዳላይ ኣንገሶም ኣብርሃ እዩ ; እዚ መንእሰይ ብናይ በዕሉ ፈጠራ ሓሳብን ምህዞን ሓዱሽ ክላሽን ከምዝሰርሐ ተዛሪቡ።

እታ ብናይ ባዕሉ ተላዓዓልነት ዝመሃዛ ክላሽን ; ንናይ ክላሽን ተኹሲ ጥራሕ ዘይኮነትስ ከም ስናይፐር ኮይና እዉን ክትኩስ ከምእትኽእል እዩ ተጋዳላይ ኣንገሶም ኣረዲኡ።

መሰል እዞም ክልተ ኣብነታት ዝተፈላለዩ ዓይነት ጅግንነት ዝሰርሑ መናእሰይ ተጋደልቲ ከምዘለዉን ቃልሶም ድማ ብዓወት ከምዝዛዘምን ብምእማን ኣበርቲዖም ይቃለሱ ንምህላዎምን ድማ ተገሊፁ።