ኣብ ሱዳን መዕቖቢ ስደተኛታት ኡሙራኩባ ንመበል ሳልሳይ ጊዜ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከምዝተፈጠረ ተገሊፁ።

ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኩናት ስዒቡ ልዕሊ 70 ሽሕ ነባሪ ምዕራብ ትግራይ ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ምስዳዱ ስዒቡ ኣብ ክልተ / ሰለስተ መዕቖቢ ስደተኛታት ዝተፈላለዩ ፀገማት እናሓለፈ ከምዝርከብ ይፍለጥ።

እቲ ስደተኛ ብሕማም፣ ብስእነት መድሓኒት፣ ብጥምየትን ሕርቃንን መብዛሕትኡ ሕማም ወሊዱን ቡዙሓት ድማ ብሰንኪ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ጠንቅታት ሂወቱ ዝሓለፈን ከምዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ዜና እወጃና እናቃላዕና ምምፃእና ይፍለጥ።

ኣብ ተነድባ፣ ኡምራኩባን ሓምዳይትን ዝርከቡ ስደተኛታት ወገናት ብግዱሳት ተጋሩ ብምትሕብባር ‘ ሳሚ ባርሳዊ’ ; ‘ ዘርኡ ገብረን’ ካልኦትን ካብ ዝተፈላለያ ግዱሳት ደቂኣነስትዮ ወገናት ብዘተኣኻኽብዎ ገንዘብ ብመብፀሓይ ‘ ምሕረትኣብ ተስፋይ ‘እቲ ሰደተኛ ብዝተወሰነ መልክዑ ረዉዩን ተዓንጊሉን ንኽሓድር ይግበር ከምዝነበረ ሓበሬታታት የመላኽቱ።

ካብ ቀረባ እዋን ኣትሒዙ ድማ ማለት እዉን ካብ ባሕቲ ታሕሳስ 2014 ዓ/ም ዝተፈጠረ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ትማሊ ለይቲ ሰዓት 5:45 ሎሚ ድማ ብንጉሁኡ ብጠቕላላ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ንመበል ሳልሳይ ጊዜ ባርዕ ሓዊ ከምዘጋጠመ ካብቲ ቦታ ብዝተወዘዐ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብቲ ናይ ፈለማ መዓልቲ ዝተፈጠረ ሓደጋ ኣብ ሰብ ሂወት ዘብፅሖ ጉድኣት ዘስግእ ከምዘይኮነን ኣብቲ ናይ ትማሊ ምሸት ድማ ልዕሊ 100 ዝኸዉን ገዛዉቲ ከምዝተቓፀለን፣ ኣርባዕተ ኣባጊዕ ምቅፃለን ሓደ ሰብ ድማ ኣብ ሆስፒታል ከምዝርከብን ኣብቲ ናይ ሎሚ ሓደጋ ድማ ልዕሊ 10 ገዛዉቲ ምቅፃሉ እዩ ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዘረድእ።

ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዘጋጥመ ባርዕ ሓዊ ‘ ኣነ ንህዝበይ ‘ ብዝብል መሪሕ ቃል ብመተሓባበሪ ‘ ዘርኡ ገብረ ( Tdf werki ) ዝተኣኻኸበ ገንዘብ ነቲ ሓደጋ ዝበፅሖ ስደተኛ ዝዉዕል ዘይቲ፣ ዓደስ፣ ፊኖ፣ ሽኮር፣ ሞኮረኒ ዝኣመሰሉ ሓገዝ ከምዝተገበረሎም እዩ ዘለና ሓበሬታ ዝሕብር።

እዚ ንመበል ሳልሳይ ጊዜ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብኡ ንዝርከቡ ወገናት ኩሉ ብዝኸኣሎ ኣብ ሓገዝ ክረባረብ ፃዉዒት ቀሪቡ ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ መንቀሊ እዚ ተደጋጋሚ ባርዕ ሓዊ ዋላ እኳ ብዕሊ ተዘይተፈልጠ ገለ ተመሳሲሎም ዝተፀግዑ ልኡኻት ስርዓት ኢትዮጵያ ሰለልቲ ክፍፅምዎ ከምዝኽእሉ ግን ጥርጣረታት ከምዘለው ተዓዘብቲ ይገልፁ።