ሕክምና ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብስእነት ናውቲ ሕክምናን መድሓኒትን ድሕሪ 10 መዓልቲ ከቋርፅ ከምዝግደድ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ።

ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ከካይዶ ዝፀንሐ ሕክምና ብስእነት ናውቲ ሕክምናን መድሓኒትን ድሕሪ 10 መዓልቲ ንኸቋርፅ ከምዝግደድ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ሓቢሩ።

ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ መተሓባበሪ ምክልኻልን ግብረመልስን ኮሮና ቫይረስ ዶ/ር ሓርነት ኣዳነ “ዓለም ራብዓይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ንምቁፅፃር ኣብ ትሰርሐሉ እዋን ትግራይ ብመንግስታዊ ዕፅዋ መድሓኒት፣ ናውቲ ሕክምናን ክታበትን ተኸልኪላ ንልዑል ምልባዕ እቲ ሕማም ተቓሊዓ ትርከብ” ብምባል ተዛሪቡ።

ዶ/ር ሓርነት ወሲኹ ብሕፅረት ናውቲ ምኽንያት ኣብ መቐለን ከባቢኣን ዝተሓፀረ ውሱን ግልጋሎት ሕክምና ቫይረስ ኮሮና “እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተነበረ ዕፅዋ እንተቐፂሉ ናውቲ ሕክምናን መድሓኒትን ኮሮና ስለዝተወደአ ክነካይዶ ዝፀናሕና ግልጋሎት ሕክምና ድሕሪ 10 መዓልቲ ክቋረፅ እዩ” ኢሉ።

ትግራይ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ክተካይዶ ዝፀንሐት ግልጋሎታት ኣስተምህሮን ሕክምናን “ወረርቲ ሓይልታት ትካላት ጥዕና ስለዘዕነውዎ እቲ ለበዳ ንምቁፅፃር ንገብሮ ምንቅስቓስ ውሱን ክኸውን” ከምዝገበሮ መተሓባበሪ ኣለሻን ትንተናን ሓበሬታ ኮሮና ቫይረስ እቲ ቢሮ ኣይተ ደስታ ብርሃነ ተዛሪቡ።

ትግራይ 6 መመርመሪን 6 መሐከሚን ማእኸላት ከምኡ እውን 34 በሪታት ፈተሻ ምልክታት ቫይረስ ኮሮና ብምትእትታው ለበዳ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ክትሰርሕ ከምዝፀንሐት ዝጠቐሰ ዶ/ር ሓርነት “በቲ ወራር 6 መሐከሚ፣ 4 መመርመሪን ኩለን ማእኸላት ፈተሻን ሙሉእ ብሙሉእ ዓንዩ እዩ” ኢሉ።

ብቐሊሉ ዘይከቡ ናውቲ ሜካኒካል ቬንትሌሽን ፒሲኣር ማሽንን ካብ “ብልፍንታዊ ወረርቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ተነቒሎም” ከምዝተወሰዱ መተሓባበሪ ምክልኻልን ግብረመልስን ኮሮና ቫይረስ ዶ/ር ሓርነት ኣዳነ ኣብሪሁ።

ትካላት ጥዕና ካብ ምዕናው ቀፂሉ ናብ ኩለመዳይ ዕፅዋ ዝተሰጋገረ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ብምኽንያት ስእነት ናውቲ ሕክምናን መድሓኒትን ስርዓት ጥዕና ትግራይ ብምዝባዕ ህዝቢ ትግራይ ንማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላው ከምዝተቓለዐ እቲ ቢሮ ምግላፁ ዝዝከር እዩ።