ትግራይ ንምብራስ ዝግበር ሃቐነ ወለዶ ብምህናፅ ንምምካት ዝካየድ ምትእኽኻብ ናውቲ ትምህርቲ ሓደ ሰብ ንሓደ ተምሃራይ ኩሉ ትግራዋይ እጃሙ ከበርክት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ፀዊዓ።

ትግራይ ብኲናትን ዕፅዋን ንምብራስ ዝግበር ሃቐነ ልፍንታውያን ወረርቲ ሓይልታት ወለዶ ብትምህርቲ ብምህናፅ ንምምካት ምንቅስቓስ ምትእኽኻብ ናውቲ ትምህርቲ ሓደ ሰብ ንሓደ ተምሃራይ ተካይድ ምህላዋ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣፍሊጣ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝገበርዎ ወራር ህዝቢ ትግራይ ወለዶ ከይትክእ ዝዓለመ ኩለመዳይ ዕንወት ዘስዐበ ከምዝኾነ ዝገለፀት እታ ማሕበር መሰረተ-ልምዓት ትምህርቲ ካብቶም ኮነ ተባሂሉ ዝዓነው ትካላት ሓደ ምዃኑ ጠቒሳ።

ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ እንተተኻኢሉ ንምጥፋእ እንተዘይተኻኢሉ ድማ ብድንቁርናን ጥሜትን ንምስኳን ብስልታውን መንግስታውን ኣሰራርሓ ይመርሕዎ ምህላዎም ብምጥቃስ እዚ ትልሚ ንምምካን ዝተምሃረ ታሪኹን መንነቱን ዘውሕስ ተካኢ ወለዶ ንምፍጣር ዝዓለመ ትምህርቲ ምስፋሕ ከምዘድሊ ሓቢራ።

ኣገደስቲ መሰረተ-ልምዓት ኣብ ዝዓነወሉ ዝካየድ ዘሎ ትምህርቲ ቀዳማይ ብርኪ ንምጥንኻር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ሓደ ሰብ ንሓደ/ንቲ ተምሃሪት/ራይ ብዝብል ቴማ ናውቲ ትምህርቲ ብምትእኽኻብ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ማሕበረ-ቁጠባዊ ምቅዋስ ንምቅላል ትሰርሕ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

መፃኢት ትግራይ ኣብ ህንፀት ህፃናት ብዝካየድ ንጥፈት ከምዝድረኽ ዝሓበረት እታ ማሕበር ኩሉ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራይን ናውቲ ትምህርቲ ብምትእኽኻብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምምዕባል ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ እጃሙ ከበርክት ፀዊዓ።