ብመንግስታዊ ዕፅዋ 88 ተሓከምቲ ሰኣን መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ከምዝሞቱ ሪፈራል ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዘካይዶ ዘሎ ፅንተታዊ ዕፅዋን ክባን 88 ተሓከምቲ ሰኣን መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ከምዝሞቱ ሪፈራል ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ኣፍሊጡ።

ነርሲንግ ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ኣስፋው ኣፅበሃ ንኣክሱማይት ሚድያ ከምዝሓበሮ ብስእነት ኦክስጅን መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን 88 ሰባት ሞይቶም” ክብል ገሊፁ።
ብፅኑዕ ሓሚሞም ኣብ ዝሕከሙ ሰባትን ናፅላ ህፃናትን ልዑል መጠን ሞት ከምዝተርኣየ ዝሓበረ ኣይተ ኣስፋው መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዘንበሮ ዕፅዋ ምኽንያት “እቲ ሆስፒታል ካብዝጣየሽ ገጢምዎ ዘይፈልጥ ሕፅረት መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን” ምግጣሙ ተዛሪቡ።

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብተመላለስቲ 42 ሽሕን 39 ሰባት ዝተሓከሙ እንትኾኑ ደቂሶም ዝተሓከሙ ድማ 3 ሽሕን 317 ከምዝኾኑ ዝጠቐሰ እቲ ዳይሬክተር ካብ ሞት ዘምለጡ ተሓከምቲ እውን ግቡእ ግልጋሎት ሕክምና ብዘይምርካቦም ሕማሞም ንኽጋደድ ከምዝተቓልዑ ኣፍሊጡ።

ሪፈራል ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ብሰንኪ ዕፅዋን ክባን ግልጋሎት ሕክምና ክህብ ናብዘይኽእለሉ ብርኪ ምውራዱ ምሕባሩ ዝዝከር እዩ።