ብሰንኪ ጥሜት ስርሖም ከቋርፁ ከምዝተገደዱ ሰብሞያ ጥዕና ሪፈራል ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ሓቢሮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝኣወጆ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዝቐፀለ ዕፅዋን ክባን ብሕሱም ጥሜት ስርሖም ከቋርፁ ከምዝተገደዱ ሰብሞያ ጥዕና ሪፈራል ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ኣፍሊጦም።

ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ወራር ምግጣሙ ኣብቲ ሆስፒታል ኣገልጊላ ብትረኽቦ መሃያ ስድራኣ ክተመሓድር ዝፀነሐት ኣዶ ሰለስተ ቆልዑ ሲስተር ብርኽቲ ገብረሂወት ኣብዚ ሐዚ እዋን ፈተና ምንባር ዘይምንባር ከምዝገጠማ ገሊፃ።

“ፍልፍል እቶተይ እታ መሃያ እያ ንሳ እውን ንሸውዓተ ኣዋርሕ ክረኽባ ኣይከኣልኩን ቆልዑ ሒዝካ ብሰብ-ሰራሕ ጥሜት ስቓይ እናኸፈአ” ይኸድ ምህላው ዝጠቐሰት ሲስተር ብርኽቲ “ክሳብ ሐዚ ልክዕ ከምቲ ሕብረተሰበይ ዝኾኖ ኮይነ ብሓይሊ ፈጣሪ እየ ፀኒሐ” ክትብል ተዛሪባ።

“ፀጊብና ሓዲርና ኣይኮንናን ኣብዚ ንሰርሕ ዘለና” ዝበለት ሲስተር ብርኽቲ ገብረሂወት እቲ ዕፅዋ ከምኡ ኢሉ እንተቐፂሉ ስራሕ ምቁራፅ ጥራሕ ከይኮነስ ሃላዋት ምቁራፅ እውን ከጋጥማ ከምዝኽእል እንትሓስብ ከምትሰግእ ጠቒሳ።

ጠቕላላ ሓኪም እቲ ሆስፒታል ዶ/ር ግርማይ በርሀ “ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ወርሒ መሃያ ዝበሃል የለን ከምሰብ ንምንባር ከቢድ ኩነታት እዩ እኒኦ” ኢሉ።

ብሰኒኪ ዕፅዋ ነዳዲ ብዘይምህላው “እቲ በዓልሞያ ኣብልዕሊ ጥሜቱ ናብቲ ሆስፒታል ብእግሩ ይመላለስ” ምህላው እውን ዶ/ር ግርማይ ሓቢሩ።

መተሓባበሪ ነርስታት ክፍሊ ሕክምና ህፃናት ሪፈራል ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ይብራህ መረሳ “ብፍላይ ኣብ ሰብ ሞያ ብጥሜት ስራሕ ዘይምእታው ከቢድ ፈተና ኮይኑና ኣሎ” ክብል ተዛሪቡ።

ኣይተ ይብራህ ወሲኹ “ትግራይ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢምዋ ኣብዘለሉ ሰብሞያ ጥዕና ህዝቦም ንምድሓን ክረባረቡ እናተገበአ ሪፈራል ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ንልዕሊ ሸሞንተ ኣዋርሕ መሃያ ክኸፍል ብዘይምኽኣሉ ሰብሞያ ጥዕና ብሰንኪ ጥሜት ህይወቶም ከድሕኑ ናብ ገጠር ናብ ወለዶም ይኸዱ” ምህላዎም ገሊፁ።

“ብዙሕ በዓልሞያ ጠምየ እየ ናብ ወለደይ እየ” እናበለ ስራሕ ይገድፎ ምህላው ዝጠቐሰ ኣይተ ይብራህ “ነዚ ጥሜት ተፃዊሩ ናብዚ ሆስፒታል ክሳብ ሓደ ሰዓት ዝወስድ መንገዲ ብእግሩ እናተመላለሰ ከገልግል ዝፀነሐ ሓደ ኣብ ክፍሊ ሕክምና ህፃናት ዝሰርሕ በዓልሞያ ብሰንኪ ጥሜት እናሓከመ እናሃለወ ምውዳቑ” ስዒቡ ኣብቲ በዓልሞያ ከቢድ ስነልቦናዊ ስብራት ምፍጣሩ ሓቢሩ።

እቲ ጥሜት “ሓዳር ኣብዘይመስረቱ ሰብሞያ ገዲዱ” ከምዝተርኣየ ዝገለፀ መተሓባበሪ ነርስታት ክፍሊ ሕክምና ህፃናት እቲ ሆስፒታል ይብራህ መረሳ “መብዛሕትኦም ንገጠር ናብ ወለዶም” ከምዝኸዱ ኣይተ ይብራህ መረሳ ተዛሪቡ።

ሲስተር ብርሃነይ ግደይ ብወገና “ብዚ ሀዚ ዘሎ ሽግር ዕፅዋን ክባን ዘጋጥመና ዘሎ ኩነታት ብገዛኻ ብዙሕ ነገራት ብዙሕ ሽግር ሓሊፍካ እንታይ ክበልዕ ቆልዑ ሒዘ ቤተሰብ ሒዘ እናበልካ እናሓሰብካ ወሲኽካ ኣብዚ መፂኻ ድማ ብዙሕ ሰብ መድሓኒት ብምስኣን ክመውት ምርኣይ ተስፋ ዘስእን” ከምዝኾነ ገሊፃ።

ዋና ክሊኒካል ዳይሬክተር ሪፈራል ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ዶ/ር ገብረሂወት ተክለሃይማኖት “እቲ በዓልሞያ ጥዕና ብጥሜት ስለዝተሳቐየ ምስ ሕፅረት ናውቲ ሕክምናን መድሓኒትን ተደሚሩ እቲ ሆስፒታል ኣብ ዘይሰርሐሉ ብርኪ” ከምዝወደቐ ሓቢሩ።