መራሕቲ ሃይማኖት ቤት ክርስትያን ኦርቶዶክስ ትግራይ ካብ ዝቕፅል 7 ለካቲት ክሳብ 13 ለካቲት ክፆሙ ሓበራዊ ጉባኤ ኣህጉረ ስብከት ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ትግራይ ንልዕሊ 400 መዓልታት ቀፂሉ ዘሎ ዕፅዋን ክባን ብሕፅረት ኣፋውስን ምግብን ዝሞት ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ዘድልዮ ቐረብ ንክረክብን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሰለማዊ መዕለቢ ክረክብን ካብ ዝመፅእ ዘሎ 7-13 ለካቲት 2014 ዓ/ም ዝፀንሕ ፆም – ፀሎት ከምዝካየድ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ገሊፆም ክብል ድምፂ ወያነ ትግራይ ገሊፁ።

እዚ ዝተገለፀ ሓበራዊ ጉባኤ ኣህጉረ ስብከት ትግራይ ኣብ ዝተሳለጠሉ እዋን እንትኸውን ፣ኣብ ኲናት ትግራይን ዛዕባ ቤተ ክርስትያንን ኣመልኪቱ ዝተኻየደ ሓበራዊ ጉባኤ ብሰንኪ ግፍዒ ፀላእቲ ስነ ልቦንኡ ንዝተጎድአ ህዝቢ ምፅንዕናዕ፣ ብኣርባዕተ ማእዝን ብዝተነበረ ዕፅዋን ክባን ዝብላዕን ዝስተን ንዝሰኣነ ወገን ህዝበ ክርስትያን ተሓጋጊዙ ክሰግሮ ከምዝግባእ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ ህዝቢ ትግራይ ሓድነቱ ኣስጢሙ ፀጥታ ከባቢኡ ክሕሉን ከምኡ እውን ኣብ ኣብያተ ክርስትያንን ኣመንትን ዝበፅሐ ኩለ መዳይ ጥፋኣት በቢሃገረ ስብከቱ ብዝግባእ ተፀኒዑን ተሰኒዱን ናብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ክቐርብን ከምዝግባእን ክብሉ ኣፍሊጦም።

ስለ ዝኾነ ድማ ኣመንቲ ቤት ክርስትያን ኦርቶዶክስ ትግራይ ካብ ዝቕፅል 7ለካቲት ክሳብ 13ለካቲት ክፆሙን ከምኡ እውን ኲናት ትግራይ ብሰለማዊ መንገዲ ክፍታሕ ንፅውዕ ዝብሉን ካልኦት ውሳነታትን ኣብቲ ዝተሳለጠ ሓበራዊ ጉባኤ ኣህጉረ ስብከት ትግራይ ፃዉዒት ቀሪቡ ኣሎ።

መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ በቲ ቅድሚ ሐዚ ዝእዘዝዎ ዝነበሩ ሲኖዶስ ኢትዮጲያ ኣብ ትግራይ ጆኖሳይድ ኢድ ኣታዉነት ብምፍፃሙን ንሰላም ዘይምስርሑን ብምኹናን በቲ ትካል ከምዘይምእዘዙን ናይ ባዕሎም ዉሳነታትን ፃዊዒታትን እናቐረቡ ከምዝመፁ ይፍለጥ።