ዝተጀመረ ዘይቀጥታዊ ዝርርብ ብመስርሕ ናብ ዝተደገፈ ዘተ ሰላም ክዓቢ ማሕበረሰብ ዓለም ብትኹረት ክሰርሐሉ ማሕበር ምሁራን ዩኒቨርሲቲታት ትግራይ ፀዊዑ።

ኲናት ትግራይ ብሰላማዊ መፍትሒ ዕልባት ንምግባር ዝተጀመረ ዘይቀጥታዊ ዝርርብ ናብ ብመስርሕ ዝተደገፈ ልዝብ ሰላም ክዓቢ ማሕበረሰብ ዓለም ብትኹረት ክሰርሐሉ ማሕበር ምሁራን ዩኒቨርሲቲታት ትግራይ ፀዊዑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንወተሃደራዊ ጉዳያት ብቢልዮናት ብምብጃት ኣንፃር እቲ ፃውዒት ሰላማዊ መፍትሒ ብምዃኑ ከምዘተሓሳሰቦ ዝሓበረ ማሕበር ምሁራን ዩኒቨርሲቲታት ትግራይ መንገድታት ሰብኣዊ ሓገዝ ብምዕፃውን መሰረታዊ ግልጋሎት ብምኽልካልን ሰላማውያን ተጋሩ ንማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላው ምቅልዖም ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘቕነዐ ዕፅዋ ብዙሓት ብስእነት ምግብን መድሓኒትን ንሞትን ሕማምን ይቃልዑ ምህላም ብምግላፅ እቲ ኲናት ብሰላማዊ ልዝብ ክፍታሕ ኩሎም ወገናት ድልዋት ክኾኑ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዝድለ ዘሎ ሰላማዊ ፍታሕ ዕንቅፋት ይፈጥር ምህላው ካብ ዝህቦ መግለፂታት ብምግንዛብ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ሰብኣዊ ቅልውላው ብዝርርብ ንምፍታሕ ብትኹረት ክስረሐሉ ሓቲቱ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ቅልውላው ዝፍታሕ ንኹሉ ዘሳተፈ ልዝብ ብምክያድ ከምዝኾነ ዝሓበረ ማሕበር ምሁራን ዩኒቨርሲቲታት ትግራይ ኩሎም ወገናት ፖለቲካዊ ጉዳዮም ብመስርሕ ብዝተደገፈ ሰላማዊ ልዝብ ንኽፈትሑ ፀቕጢ ክገብር ንማሕበረሰብ ዓለም ፃውዒት ኣቕሪቡ።