ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኣተወ ተገሊጹ።

እቲ ኣምባሳደር ትማሊ 13 ለካቲት 2022 ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኣተወ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ኣሜሪካ ዘፍለጠ ኾይኑ ; ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ኣብ ኢትዮጵያ ንኽልተ መዓልታት ኣብ ዝጸንሓሉ፡ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምስ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ምስ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤትን ከም ዝዘራረብ ሓቢሩ ክብል ቢቢሲ ገሊፁ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ; ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣሚና መሓመድ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ድሕሪ ምክያዳ ሮቡዕ 9 ለካቲት 2022 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ናይ ሰላም ተስፋታት ከም ዘሎ ምግላጻ ዝዝከር ኮይኑ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጲያን ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገርን ዘሎ ወጥሪ ንምፍታሕ ተወሳኺ ዝርርባት ይካየድ ኣሎ ምባላ ፀብፃብ ቢቢሲ ወሲኹ ሓቢሩ።

ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዩ ጉተረዝ’ውን ብወገኑ እቶም ኣብ ኩናት ተጸሚዶም ዘለዉ ኩሎም ወገናት፡ እቲ ኩናት ብሰላማዊ መንገዲ ንኽውዳእ ዘርኣይዎ ቅሩቡነት ብሓጎስ ከም ዝርዮ ምግላጹ እቲ ፀብፃብ ኣዘኻኺሩ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ገለ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ዘንበሮ ናይ ቪዛ እገዳን፡ ንኢትዮያ ካብቲ ብዘይቀረጽ ናብ ኣሜሪካ ንብረት ከተእቱ ዘኽእል ዕድል [ኣጋዋ] ምእጋዳ ገለ ካብቲ ንርክብ ክልቲኤን ሃገራት ከሐርፍፎ ክኢሉ እዩ።

ኣሜሪካ ካብ መፈለምታ እቲ ኩናት ኣትሒዛ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ብሰላማዊ መንገዲ ንኽፍታሕ ፍሉይ ልኡኽ ብምምዛዝ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ እትዮጵያ ርክባት ክትገብር ምፅንሓ ይፍለጥ።

ኮይኑ ግና እዚ ንልዕሊ ዓመትን ፍርቅን ዘቑፀረ ዕልባት ዘይረኸበ ኩናት ትግራይ ሳዕቤኑ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተጋደደ ይመፅእ ብምህላዉ ኣሜሪካ ኮነት ካልኦት ኣካላት ተግባራዊ ስጉምቲ ንኽወስዱ ብርክት ዝበሉ ድምፅታት እናተጋዉሑ ይርከቡ።