ዋና ዳይሬክተር ዉድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ተሸላሚ ፍሉይ ሰብኣዉነት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ፍሉይ ሽልማት ሰብኣዉነት ወይ Special Ubuntu Award ብብርኪ ኣፍሪካ ኮነ ዓለም ብሉፅ ስራሕቲ ንዝዓመሙ ሰባት ብዘርኣይዎ ብቑዕ ስራሕቲ ዝወሃብ ልዑል ክብሪ እንትኸዉን ዋና ዳይሬክተር ዉድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ድማ እዚ ክብረወሰን ምጉንፃፉ ቴሌቭዥን ትግራይ ፀብፂቡ።

እቲ ትካል ናይ 2021 ዓመተ ምህረት ፈረንጂ ን6ይ ግዜ ኣብ ዘካየዶ ሕርያ ዋና ዳይሬክተር ዉድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ቫይረስ ኮሮናን #ኢቦላን ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ንዝሃቦ መሪሕነትን ዕዉት ኣፈፃፅማን ፍሉይ ሽልማት ሰብኣዉነት (Special_Ubuntu_Award) ከምዝተሸለመ ተፈሊጡ ኣሎ።

ብተወሰኺ ተሸላሚ ሰብኣዊነት ዝኾነ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ኣፍሪካ ኮነ ኣብ ዓለም ዝረኣዩ ፀገማት ጥዕና፣ጥሜት፣ዘይፍትሓዉነት፣ዘርኣዉነትን ካልኦት ፍልፍላት ፀገማትን ንምፍታሕ ከም ዝሰርሕ ቃል ብምእታዉ ንዝተዉሃቦ ሽልማት ክብሪ ምስጋንኡ ኣቕሪቡ።

‘ ኡቡንቱ ‘ ዝብል ቃል ብቋንቋ zulu ሰብኣዉነት ዝብል ትርጉም ዘለዎ እንትኾን Ubuntu Award ድማ ሰብኣዊ ስራሕቲ ንዝሰርሑ ፍሉያት ሰባት ዝወሃብ ዓይነት ሽልማት እዩ።

ብፍላይ ግልጋሎት ጥዕና ኣብ ዓለም ንዝርከቡ ሰባት ብማዕረ ክባፃሕ ብዝለዓለ ተገዳስነት ክሰርሕ ዝፀንሐ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም እቲ ሽልማት ሰብኣዉነት እዉን ንኩሎም ህዝብታት ዓለም ክትባት ቫይረስ ኮሮና ብማዕረ ክባፃሕ ኣብ ዘርአዮ ቆራፅነትን ዕዉት ኣፈፃፅማን ምዃኑ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ብርክታት መሪሕነት ኮይኑ ኣብ ዝሰርሕሉ እዋን ብፍላይ ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ዓሶን ስርዓት ጥዕናን ዝነኣድ ስራሕቲ ዝሰርሑ እንትኾኑ ዳይሬክተር ዉድብ ጥዕና ዓለም ምስኮነ እዉን ኣብቲ ዘፈር ዝምስገን ስራሕ ብምስራሕ ብርክት ዝበሉ ናእዳታትን ሽልማትን ከምዝተበርከተሉ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ዝተኻየደ ዉድድር ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንዝቕፅል ሓሙሽተ ዓመታት ዋና ዳይሬክተር ዉድብ ጥዕና ዓለም ኮይኑ ምሕራዩ ዝፍለጥ ኮይኑ ንቡዙሓት ደገፍቱን ህዝቢ ትግራይን ሓጎስ ፈጢሩሎም እዩ።