ኣብ ልዕሊ ዓርሰ-ምሕደራ ህዝብታት ዝተወለዐ ወራር ምስ ሰራዊት ትግራይ ብምሕባር ከምዝምክት ሓይልታት ፌደራሊስት ዓፋር ገሊፁ።

ኣብ ልዕሊ ዓርሰ-ምሕደራ ህዝብታት ዝተወለዐ ወራር ምስ ሰራዊት ትግራይ ብምሕባር ከምዝምክት ሓይልታት ፌደራሊስት ዓፋር ንመበል 47 ዓመት ዝኽበር ዘሎ ለካቲት 11 ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣፍሊጡ።

ህዝቢ ትግራይ ንዘበናት ኣብ ልዕሊ ብሄራዊ ክብሩን መንነቱን ዝተፈፀሙ ግፍዕታት ንምዕጋት ብዝተወደበ መልክዑ ኣብ ለካቲት 11 1967 ዓ/ም ዝጀመሮ ቃልሲ ምስ ህዝቢ ዓፋርን ካልኦት ህዝብታትን ብምሕባር ኣርዑት ጭቆና ከምዝቐንጠጠ ጠቒሱ።

ህዝቢ ትግራይ ን17 ዓመታት ብዘካየዶ መሪር ቃልሲ ምልካዊ ስርዓት ብምውጋድ ብመስዋእትነቱ ንኻልኦት ህዝብታት እውን ዝረብሐ ኣብ ማዕርነታዊ ሓድነት ዝተደረኸ ስርዓት ፌደራሊዝም ከምዝተኸለ ኣረዲኡ።

ንማዕርነት ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ህይወቱን ኣካሉን ንዝኸፈለ ህዝቢ ትግራይ ዘመስገነ ሓይልታት ፌደራሊስት ዓፋር ህዝብታት ኢትዮጵያ ብቋንቋኦም ክመሃሩ ክዳነዩን ባህላዊ ኣምራቶም ከኻዕብቱን ካብ ምኽኣል ብተወሳኺ ኣብ ዓርሰ-ምሕደራ ዝተደረኸ ቁጠባዊ ዕቤት ዝተርኣየሉ 27 ዓመታት ከምዝሓለፈ ኣዘኻኺሩ።

ገበትቲን ፋሽስታውያንን ሓይልታት ንዘበናት ቅድመ-ምድላው ዝገበሩሉ ኢትዮጵያ ናብ ምልካውነት ንምምላስ ብዝጀመርዎ ኣብ ልዕሊ ማዕርነታዊ ሓድነት ህዝብታት ዘቕነዐ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ምብትታን ከምዘእተዋ እቲ መግለፂ ኣረዲኡ።

ኣብ ሞንጎ ብሄር ብሄረሰባት ዘይምትእምማንን ፅልኢትን ብምንዛሕ ክኸስቡ ዝፅዕሩ እዞም ገበትቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ማእኸል ዕግርግርን ስርዓት ኣልቦነትን ከምዝገበርዋ ሓይልታት ፌደራሊስት ዓፋር ገሊፁ።

ፋሽስታውያንን ገበትቲን ሓይልታት ብመሪሕነት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝኸፈትዎ ወራር ርግዓት ምብራቕ ኣፍሪካ ይሕመስ ምህላው ብምጥቃስ ለካቲት 11 እንተኽብር እቲ ኣብ ልዕሊ ዓርሰ-ምሕደራን መንነትን ዘቕነዐ ሓደጋ ምስ ህዝቢን ሰራዊትን ትግራይ ብሓባር ከምዝምክት ሓይልታት ፌደራሊስት ዓፋር ሓቢሩ።

ህዝቢ ዓፋር ሃላዋቱ ንምውሓስ ምስ ሓው ህዝቢ ትግራይ ብምውጋን ብስሙር ቃልሱ መንነታዊ ሓርነቱን ዓርሰ-ምሕደርኡን ንምርግጋፅ ከምዝሰርሕ ኣረዲኡ።