ህዝቢ ትግራይ ንናፅነቱን ዓርሰ-ምሕደርኡን ዘካይዶ ዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ ብምድጋፍ ንብሄራዊ ሓርነት ህዝቢ ኣገው ከምዝቃለስ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ኣገው ሓቢሩ።

ህዝቢ ትግራይ ንናፅነቱን ዓርሰ-ምሕደርኡን ዘካይዶ ዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ ብምድጋፍ ሓቢሩ ንብሄራዊ ሓርነት ህዝቢ ኣገው ከምዝቃለስ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ኣገው ንመበል 47 ዓመት ንዝኽበር በዓል ለካቲት 11 ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ኣገው ንህዝብን መንግስትን ትግራይ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣብ ዘመሓላለፈሉ መግለፂኡ ህዝቢ ትግራይ በዓል ውዕለታ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምዃኑ እናተፈለጠ ኲናት ምፅናት ዘርኢ ከምዝተፈፀሞ ጠቒሱ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምስረታ ሃገረ-መንግስቲን ሉኣላውነትን ኢትዮጵያ ልዑል ተጋድሎ እናካየደ ዝመፀ ህዝቢ ምዃኑ ዘዘኻኸረ እቲ መግለፂ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብባዕዳውያን ወረርቲ ዝተሃቀነ መጥቃዕቲ ብምክልኻል ሃገር ምውሓሱ ገሊፁ።

ማሓዩር ብሄር ብሄረሰባት ዝነበረት ኢትዮጵያ ብለካቲት 11 ብዝተወለዐ ቃልሲ ኣብ ማዕርነት ዝተደረኸ ማሕበረ-ቁጠባዊ ተጠቃሚነት ክረጋገፅ ዘኽኣለ ከምዝኾነ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ኣገው ኣብሪሁ።

ህዝቢ ትግራይ ንጭቆና ተምበርኪኹ ከምዘይፈልጥ ዝጠቐሰ እቲ ውድብ ኢትዮጵያ ከምሃገር ክትቅፅል ልዑል ኣበርክቶ ዝገበረ ህዝቢ ከምዝኾነ እቲ መግለፂ ኣረዲኡ።

ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኣገውን ብታሪኽ፣ ባህሊን ስነልቦናን ሓደ ህዝቢ ብምዃኑ ንሓርነትን ናፅነትን ሓበራዊ ቃልሲ ከካይድ ከምዝፀንሐ ብምግላፅ ኣብ ሕሉፋት ዓመታት ፋሽስታዊ ኣብዪ ኣሕመድን ገበትቲ ሓይልታት ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ግፍዕታት ምፍፃሞም ሓቢሩ።

ህዝቢ ኣገው ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፀሐ ጀኖሳይድ ካብ ምቅዋም ብተወሳኺ ደቁ ኣብ ፅላል ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ኣገው ብምውዳብ ንዓርሰ-ምሕደርኡ ምስ ህዝቢ ትግራይ ወጊኑ ይቃለስ ምህላው ኣረዲኡ።

መፃኢ ዕድል ህዝቢ ትግራይን ኣገውን ሓደ ዓይነት ከምዝኾነ ዝጠቐሰ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ኣገው ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝበፅሕ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ብቐጥታ ኣገው ዝነክእ ብምዃኑ ብቐፃልነት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ትግራይ ሓራ ናይ ምውፃእ ቃልሲ ሓው ህዝቢ ኣገው እውን ኣብ ጎኑ ምስላፉ ኣረጋጊፁ።